ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ካብ ትካል መግቢን ሕርሻን ዓለም ናእዳ ረኺባ!


ቀ/ሚ ኃይለማርያም ምስ ዳይረክተር ፋኦ
ቀ/ሚ ኃይለማርያም ምስ ዳይረክተር ፋኦ

ኢትዮጵያ ነቲ ብሕ/ሃ ዝተወጠነ MDG-1 ዝባሃል መደብ ምንካይ ድኽነት ስለዘዐወተት ኣፍልጦ ዝህብ ዲፕሎማ ከምዝተሸለመት ትካል መግቢን ሕርሻን (ፋኦ) ገሊፁ።

ፋኦ ወሲኹ 72 ሃገራት ነዚ መደብ’ዚ ምዕዋተንን፣ኣፍልጦ ንምሃብ ኣብ ሮም ዓዲ ጣልያን ዋዕላ ምስላጡን ኣፍሊጡ’ሎ።ዳይረክተር’ቲ ትካል ጆሴ ግራዝያኖ ዳሲልቫ፣ካብ ተስዓታት ጀሚሩ ልዕሊ 216 ሚልዮን ሰባት ብደረጃ ዓለም ካብ ጥምየት ከምዝተናገፉ ገሊፆም።

ወሃቢ-ቃል ምንስቲር ሕርሻ ኣቶ ኣስራት ገ/ፃድቅ፣ኢትዮጵያ ነቲ ሸቶ ዘዕወተት ማእቶት ስለዘደንፈዐት’ዩ ኢሎም፣ንሶም ወሲኾም ” ኣብ 1983 ዓም ይርከብ ዝነበረ መጠን ፍርያት 52 ሚልዮን ኹንታል ነይሩ።ሎሚ እቲ ማእቶት ናብ 270 ሚልዮን ኹንታል በፂሑ’ሎ። ሳላ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ፣ምሩፅ ዘርኢን ድኹዕን ከምኡውን ሓረስታይ’ውን ሳላ ኣብ ሰራዊት ልምዓት ዝተወደበ ዝተመዝገበ’ዩ” ኢሎም።

74.8 ሚእታዊ ዝነበረ ሕፅረት መግቢ ክሳብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝነበረ እዋን ብፍርቂ ምንካዩ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ መግቢ ካብ ዝበልፀጋ ሃገራት ትቕበሎ ሓገዝ ዘይትቅበለሉ እዋን ክመፅእ ይኽእል’ዩ ማለት ድዮ? ንዝብል ሕቶ ኣቶ ኣስራት ክምልሱ ከለው

‘ሸቶና’ውን ንሱ’ዩ።ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ሓገዝ እኽሊ ምቑራፅ።ብመሰረት ዝትግበር ካልኣይ ዘበን መደብ ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን፣ኣብ መወዳኣታ’ቲ መደብ፣እቲ ሸቶ ክነዕውቶ ኢና” ኢሎም ይብል ሪፖርት እስክንድር ፍሬው።

XS
SM
MD
LG