ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ምንጻል ጥንሲ ብከፊል ሕጋዊ ዝገብር ሕጊ ሂወት ብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮ የትርፍ ኣሎ ተባሂሉ


ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝወጸ ምንጻል ጥንሲ ብከፊል ሕጋዊ ዝገብር ሕጊ ህይወት ብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮ ከምዘድሓነ አብቲ ዓውዲ ዝነጥፍ ሓደ ዘይመንግስታዊ ዓለም-ለከ ትካል ኣፍሊጡ። እዚ ኣይፓስ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ መሰረቱ አብ ኣሜሪካ ዝኾነ ትካል ድሕሪ ምውጻእ’ቲ ሕጊ ዝመጸ ለውጢ ብግሁድ ይረኣይ ኣሎ ኢሉ።

ኣብ 1997 ዓ.ም ኢትዮጵያ ንፓርላማ ኢትዮጵያ አብ ክልተ ዝገምዓን ድሕሪ ብዙሕ ክርክር ዝጸደቐን እዚ ሕጊ ሎሚ’ውን ትግባሬኡ ብዙሕ ዘይተዘረበሉ’ዩ። እንተኾነ ግን እዚ ሕጊ ውጽኢቱ ብግሁድ ይረኣይ ኣሎ ይብል ዘይመንግስታዊ ትካል ኣይፓስ ኢንተርናሽናል። እዚ ምስ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ጾታዊን ናይ ምውላድን መሰልን ምስ ምንጻል ጥንሲ ብዝተአሳሰር ዘጋጥም ሞት ንምጉዳል ዝሰርሕ ትካል እዚ ሕጊ ርኡይ ለውጢ ኣምጺኡ ክብል ምስክርነቱ ሂቡ’ሎ።

እዚ ዝተገልጸ ናይቲ ትካል ኣካያዲ ስራሕን ፕረዝደንት ዝኾኑ ጆን ሄዘንግተን ንኢትዮጵያ አብ ዝበጽሕሉን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ’ዩ።

ንሶም ከምዚ ኢሎም ኣለው።
‘ካብዚ ናይ ኢትዮጵያ ምብጻሐይ ሰፊሕ ዝኮነ ጥንሲ ናይ ምንጻል ሓላፍነት ንምሃብ ዝተካየዱ ጻዕርታት ዝተረኽቡ ኣገራሚ ዝኮኑ ውጽኢታትን ክምስክር እክእል’የ። ቅድሚ ምውጻእ’ቲ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ብከፊል ዘፍቅድ ሕጊ ብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ደሕንነቱ ብዘይተሓለወ መንገዲ ጥንሲ ብምንጻል ይሞታ ነይረን ሕጂ ግን ምስ ትግባረ እቲ ሕጊ ኩነታት ተቐይሩ’ዩ። ኢትዮጵያ ካብ ደሕንነቱ ዘይተሓለወ መንገዲ ምንጻል ጥንሲ ናብ ደሕንነቱ ዝተሓለወ ምንጻል ጥንሲ ተሰጋጊራ’ያ። ናይ ብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮ ህይወት ድማ ክድሕን ክኢሉ’ዩ።’

ኣካያዲ ስራሕ ኣይፓስ ኢንተርናሽናል ብተወሳኺ እቲ ትካል አብ ዝተፈላለዩ ሃገራት አፍሪቃ ከምዝሰርሕን እዚ ናይ ኢትዮጵያ ተመክሮ ድማ ከም ዕውት ተመክሮ ንኣብነት ዝውሰድ ምኳኑን ሓቢሮም።

ናይቲ ትካል ጨንፈር ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ዝኾና ወ/ሮ ሳባ ኪዳነ ብወገነን አብ ዝሓለፉ ኣሰርተ ዓመታት ኣብ ምድሃን ሂወት ደቂ-ኣንስትዮ ዝተረኽበ ዓወት ርኡይ‘ዩ ክብላ ርእይቶአን ንድምጺ ኣሜሪካ ሂበን።

ቅድሚ ሕጂ ዘጋጥም ዝነበረ ሞትን ሕማምን ከነወዳድር ከለና ብዘይውሑስ መንገዲ ጥንሲ ብምንጻል ካብ ዝሞታ ዝነበራ ደቂ-ኣንስትዮ ቁጽሪ 32 ሚእታዊት ዝነበረ ናብ 10 ሚእታዊት ወሪዱ’ዩ። እተን ብዘይውሑስ መንገዲ ጥንሲ ንምንጻል ዝፈተና አብ ሓደገኛ ኩነታት ምስ በጽሓ ገሊአን ናብ ሆስፒታል ይመጻ ንክሓውያ ድማ ክሳብ ሰለስተ ኣርባዕተ ወርሒ ይወስደለን። ንገለ አብ ከምዚ ኩነታት ዝመጻ ንምድሓን ይከኣል ዝበዝሓ ግን ይሞታ’የን ይብላ ወ/ሮ ሳባ ኪዳነ።

ኣካያዲ ስራሕን ፕረዝደንት ኣይፓስ ኢንተርናሽናል ዝኾኑ ጆን ሄዘንግተን አብዚ ናይ ኢትዮጵያ ምብጽሖም ዝተፈላለዩ ትካላት ጥዕና ምብጽሖምን ምስ ሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር ምርኻቦምን ክፍለጥ ተካኢሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG