ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምርጫ 2002 ይዕወት ኣሎ ተባሂሉ


ተቃወምቲ፣ኣብ‘ቲ ቅድሚ 5 ዓመታት ዝተሳለጠ መረፃ፣ሙሉእ ዓወት ዝዓተሩላ ኣዲስ ኣበባ፣ሎሚ ሙሉእ ንሙሉእ ተሳዒሮም‘ለው ዝብል ፀብፃብ ኣሎ።


ገዛኢ ፓርቲ፣ ኢትዮዽያ፣ኣብ መላእ እታ ሃገር ከምዝዓወተ መባእታዊ ውፅኢት ይሕብር ኣሎ ይብል ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣቀባሊና ፒተር ሃይንለይን።በትረ ስልጣን ተርጒሙ ከቅርቦ‘ዩ።

ቤት ፅሕፈት ቀንዲ ተቃወምቲ ኢትዮዽያ፣ሎሚ ሶኒ ስቅታ ዝወረሮ ቤት‘ዩ መሲሱ ውዒሉ።ተዓዘብቲ ካብ መላእ ኢትዮዽያ ሪፖርት ኣብ ዝልእኽሉ እዋን፣ሙሉእ ንሙሉእ ክንሳዓር ንኾን ኢና ኢሎም ዝተሻቀሉ ተቃወምቲ ተዓቢሶም‘ዮም ዝራኣዩ።

ከም ፕረዚደንት ዝነበሩ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ፣ዶ/ር መራራ ጉድናን በየነ ጴጥሮስን ተሳዒሮም‘ዮም ዝብል ግምት ኣሎ።

ብዝተኣሳሰረ ምዕባለ፣ኢንጂነር ሃይሉ ሻውልን ኣቶ ልደቱ ኣያሌውን ንስዕረቶም ተቀቢሎም‘ለው ይባሃል።

ተቃወምቲ፣ኣብ‘ቲ ቅድሚ ፭ ዓመታት ዝተሳለጠ መረፃ፣ሙሉእ ዓወት ዝዓተሩላ ኣዲስ ኣበባ፣ሎሚ ሙሉእ ንሙሉእ ተሳዒሮም‘ለው ዝብል ፀብፃብ ኣሎ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ተኣሲረን ዘለዋ መራሒት ተቃወምቲ ብርቱኳን ሚደቅሳ ”ኣንድነት“ ኮይኖም ሪኢቶኦም ዝሃቡ ኣባል ፓርላማ ኢትዮዽያ ኣቶ ተመስገን ዘውዴ፣ብመባእታዊ ውፅኢት ስንባደ ከምዝሓደሮምን "እዚ ዘይተፀበናዮ ሃንደበታውን ሙሉእ ስንባደን‘ዩ ኣስዒቡለይ።ክሳዕ ክንዲ‘ዚ ዝደኸምናሉ ምኽንያት ንምንፃር ድማ መፅናዕትና ክቅፅል‘ዩ" ኢሎም።

ከም ኣቶ ተመስገን ኣባሃህላ፣ኢህወዴግ ከምዚ ብቀሊሉ ክዕወት ዘኽኣለሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ናይ ተቃወምቲ ኣብ ብርክት ዝበሉ ደንበታት ምምቅቃል እዩ።

ወሲኾም መድረክ፣ኣብ ክልላዊን ፈዴራላውን ውድድር ንኢህወደግ ስዒቡ ካልኣይ‘ዩ ዘሎ።እዚ ማለት፣ፍትሓዊ መቀሎ እንተዝትግበር ነይሩ፣ምስ ገዛኢ ፓርቲ ንገለ መናብር ምተማቀልና ነይርና ማለት‘ዩ።ግን መንበር ዝሕዝ እቲ ቀዳማይ ዝወፀ ሰብ ስለዝኾነ፣ተሳዒርና‘ለና ማለት‘ዩ ኢሎም።

ኣብ ቀፅሪ ቤት ፅሕፈት መድረክ ብርክት ዝበሉ ዝሓረቁ መናእሰይ ይራኣዩ።ተዓዛቢ መድረክ ኮይኑ ትማሊ ዝሰርሐ ኣቻም ኣልኣዛር፣ ድምፂ ህዝቢ ተሰሪቁ‘ዩ ምስበለ "ኣብ ኢትዮዽያ፣ናይ ሓሶት ዴሞክራሲ‘ዩ ዘለና።እቶም መትከላት ዝዝረበና ብመንግስታዊ ሰበ-ስልጣን‘ዩ።ኣብ ባይታ ዝራኣይ ዘሎ ግና፣ኣብ ቅኑዕ ኣንፈት ዘይምኻኑ‘ዩ ዘርእየካ"ይብል።

ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ብወገኖም፣ሓላፍነት‘ቲ ፓርቲ ኣንድነት ንደገፍቱ ምርግጋእን፣እቲ ኣብ ሕሉፍ መረፃ ዝተኸሰተ ዕግርግር ምውጋድን‘ዩ፡ምናልባሽ ገሊኦም ተቆጢዖም ክኾኑ‘ዮም።እንተኾነ ክነረጋገኦም ኢና። ንመረረትና ክነመዝግብ፣ኣብ ከይዲ ዝተራኣዩ ክንገልፅ፣እንታይ ከምዝተፈፀመ ክንሕብርን ኢና።ብድሕሪ ሰላማዊ ፓርቲ ስለዝኾና ንክረጋግኡ ክንሕብሮም ኢና።ናብ ቦርድ መረፃ ክነብፀሖ ዝግባኣና ነገር ኣሎ እንተኾይኑ’ውን ክንከይድ ኢና።ፍታሕ እንተዘይረኺብና ናብ ቤት-ፍርዲ ክንከይድ ኢና ኢሎም።

ሎሚ ሶኒ ካብ ቦርድ መረፃ ኢትዮዽያ ዝተሰምዐ ፈላማይ ሪኢቶ፣እቲ መረፃ፣ሰላምን ፅፉፍን ኮይኑ‘ዩ ተዛዚሙ ዝብል‘ዩ።ወሃቢ-ቃል እቲ ቦርድ ኣቶ መሓመድ ዓብዱራሕማን፣እቲ መረፃ፣ምድንጋር ኣይተፈፀመሉን ይብሉ።

ንሶም ወሲኾም፡ቦርድ መረፃ፣ዝቀረበሉ ወግዓዊ ክሲ ዛጊድ የለን።ተቃወምቲ ፓርቲታት፣ ገዛኢ ፓርቲን ህዝብን ብሙልኦም እቲ መስርሕ ሰላማዊ፣ህዱእን ናፃን‘ዩ ነይሩ ኢሎም‘ዮም በሉ።

ሰበ-ስልጣን ገዛኢ ፓርቲ፣ተዓዊትና‘ለና ኢሎም ንዘይምዝራብ ተዓጊሶም‘ለው። ምንስቲር ኮምንኬሽን ኡትዮዽያ ኣቶ በረከት ስምኦን፣ኢህወዴግ ብቀሊሉ ዝሳዓረ ይመስል ካብ ምባል ሓሊፎም ዝበልዎ ነገር የለን።

ብካልእ ወገን፣መራሒ ጉጅለ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣውሮዻ ቲስ ቤርመን፣ኣብ ርትዓዊነትን ፍትሓውነትን‘ቲ መስርሕ መረፃ፣መባእታዊ ሪፖርት ንምግላፅ፣ፅባሕ ጋዜጣዊ መግለፂ ንምሃብ መደብ ተታሒዙሎም‘ሎ።

XS
SM
MD
LG