ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብሽበራ ዝተኸሰሱ 14 ሰባት ክሳብ ዕድመ-ልክዕ ዝበጽሕ ማእሰርቲ ተበይንዎም


እቶም ዝተፈርዱ፡ ተልእኮ ኤርትራን ኦነግን ከፈጽሙ ዝኣተዉ`ዮም ይብሉ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኤርትራን ኦነግን ግን ይነጽግዎ

ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ዝወጠኑ`ዮም ይብሉ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ። ቀዳማይ ምንስተር መለስ “መንግስቲ ኤርትራ ህውከት እንተዘይሃሊዩ ዓሪፉ ምድቃስ ዝተሳእኖ`ዩ” ኢሎም። ምንስተር ወጻኢ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም፡ ኣብ ኤርትራ ዝወሰድናዮ ናይ መርገጽ ለውጢ፡ ንሽበራ ብሽበራ ክንምልስ ዘይኮነስ፡ ግዜ ዝውስኖ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ምውሳድ`ዩ ኢሎም። ንሱ`ውን ንተቓወምቲ ኤርትራ ምሕጋዝ ዝሓወሰ ምዃኑ`ውን ተዛሪቦም ኔሮም።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕርቦ ክሲ፡ ውዱቕ ጠቐነ`ዩ ክብሎ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ምሉእ ጸብጻብ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG