ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ጉጅለ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ናብ ግብፂ ክጉዓዝ እዩ


DINA MUFTI
DINA MUFTI

ልዕሊ 50 ኣባላት ዝሓቖፈ ናይ ኢትዮጵያ ጉጅለ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ድሕሪ ፅባሕ ሰንበት ናብ ግብፂ ከምዝጉዓዝ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።ኣቐባሊ ቃል እቲ ምንስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎማዕንቲ ዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ዕላማ እቲ ጉዕዞ ምስ ህንፀት ግድብ ህዳሴ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ንምፍፃም እዩ ኢሎም።

ህንፀት ግድብ ህዳሴ ዘተሓሳሰቦም ግብፃዊያን ከምዚ ዝበለ ጉጅለ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ልኢኾም ነይሮም።

ኢትዮጵያ እትልእኾ ጉጅለ ምሁራን፣ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሃን፣ፍሉጣት ሰባት፤ወከልቲ ማሕበረሰብ ንግድን ካልኦትን ዝሓቖፈ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

‘’ዕላምኡ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ግብፂ ዘለዋ ሰናይ ትምኒት፣ምስ ግብፂ ዘለዋ ርክብን ድልየትን ንምሕያል፣ግድብ ህዳሴ ንናይ ግብፂ ሕብረተሰብ ከምዝየጎድእ ኣብ ክንድኡ ዝጠቅም እዩ ዝብል መልእኽቲ ንምሕላፍ እዩ’’ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ሩባ ኣባይ ንርክብ ኽልቲኡ ህዝብታት ዘቀራርብ እምበር ዘናቑር ክኸውን ከምዘይብሉ ብወገን ኢትዮጵያ ንህዝቢ ግብፂ ዘሎ ሰናይ ፍቕሪ ሰናይ መልእኽቲ ንምግላፅ እዩ’’ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያዊያን ጉዕዞ ክሳብ ሎሚ ክናዋሕ ዝኸኣሉ ምኽንያት ኣብ ግብፂ ተፈጢሩ ብዝነበረ ዘይምርግጋእ ምዃኑ ኣምባሳደር ዲና ሓቢሮም።

ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን እተካይዶ ዝነበረት ናይ ሰለስቲኣዊ ዝርርብ ንዝተወሰነ እዋን ኣቛሪፃቶ ዝነበረት ግብፂ ናብቲ መድረኽ ካብ እትምለስ ኣፈላላያት እናፀበቡ ናብ ምዝርራብ ተኣቲዩ’ሎ ይብል እስክንድር ፍሬው ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝለኣኾ ፀብፃብ።

XS
SM
MD
LG