ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ክሽለም እዩ


Eskinder Nega
Eskinder Nega

ተኣሲሩ ዝርከብ ኢትዮጵያዊያ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ኦክስፋም ኖቪብን ፔን ኢንተርናሽናልን ናይ ዝተብሃሉ ክልተ ዓለምለኸ ትካላት ናይ 2018 ተሸላሚ ኮይኑ።

ኣብ ኔዘራላንድ ዝመደብሩ ኦክስፋም ኖቪብ ምስ ፔን ኢንተርናሽናል ብምትሕብባር ናይ ሎሚ ዓመት ተሸለምቲ ክኾኑ ዝሓረዮም ክልተ ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያዊ እስክንድር ነጋን ቬኔዝዌላዊት ሚላግሮ ሶኮሮን እዮም።

ዋና ዳይረክተር እቲ ትካል ፋራ ካራሚ ትካለን ኣብ ትሕቲ ኦክስፋም ዝርከብን ካብ ዝምስረት 60 ዓመታት ዘቑፅረን ዓለምለኸ ትካል ከምዝኾነ ይገልፃ።’’እስክንድር ነጋ ንመሰል ሓሳብካ ብነፃነት ምግላፅ ንነዊሕ እዋን ዝተቓለሰ ኣዚዩ ክቡር ጋዜጠኛ እዩ’’ ዝበላ ንሰን እዚ ሽልማት እዚ ንናይ ማሕበረሰቦም ፍትሒ፣ንፍትሓዊ ቁጠባዊ ተረባሕነት፣ንከባቢያዊ ሓለዋን ዝኣመሰሉን መሰላት ዝተቓለሱን ዓው ኢሎም ብምዝራቦም ንማእሰርቲ ዝተቓልዑን ጋዜጠኛታትን ፀሓፍንት ንምትብባዕ ዝውሃ ሽልማት እዩ ኢለን።

እቲ ሽልማት ፅባሕ ኣብ ዘ ሄግ ኣብ ዝዳለው ስነስርዓት ክፍፀም እዩ።እስክንድር ተኣሲሩ ስለዝርከብ ኣብቲ ስነስርዓት ኣይርከብን፤ሶኮሮ ግን ክትርከብ እያ።

እቲ ሽልማት ምስ 2,500 ዩሮ ናብ ብዓልቲ ቤቱ ከምዝልኣኽ ወሲኸን ገሊፀን ኣለዋ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ናይ እሱራት ምፍታሕ ኣብ ቀፃሊ ንእስክንድር ነጋን ዝተረፉ ካልኦትን ክፈትሕ ተስፋ ከምዝገብራ እውን ሓቢረን።

18 ዓመታት ማእሰርቲ ዝተፈረዶ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ 3 መስከረም 2004 ዓ/ም ነይሩ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓለ።ካብ ዝእሰር ሽድት ዓመት ገይሩ’ሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:04 0:00

XS
SM
MD
LG