ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኢትዮጵያ ሳተላይት ቴሌቪዥን/ኢሳት/ ዝጸውዖ ንህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ዝዝቲ ጉባኤ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ቨርጂንያ ተኻይዱ


ናይ ኢትዮጵያ ሳተላይት ቴሌቪዥን/ኢሳት/ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ማለት እውን ቅድሚ ትሽዓተ፣ዓሰርተ ማዕልታት ኣርሊንግተን ቨርጂኒያ ኣብዘካየዶ ናይ ክልተ ማዕልታት ኣኼባ ብርክት ዝበሉ ምሁራን ዝተሳተፍሉ ኮይኑ ንኢትዮጵያ ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት እውን ቐሪቦም ነይሮም።ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ክካየድ ሒደት ማዕልታት ምስ ምትራፉ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ብዛዕባ ምርጫ ኣብ ዝሃቡዎም ሪኢቶታት ዘተኮረ ከምዚ ዝስዕብ።

ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ባንኪ ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ዝሰርሑ ብዓልሙያ ስነ ቁጠባ / ኣክሎግ ቢራራ ‘’ሕንቅል ሕንቅለተይ ቁጠባዊ ዕብየት ኢህወዴግ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሃፍቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ደረጃ ብሰበስልጣን እናተዘረፈ ኣብ ወፃኢ ሃገር ናብ ዝርከቡ ባንክታት እናኣተው ይርከብ ይብሉ።

ናይታ ሃገር ቁጠባ 10 11 ሚእታዊ ዕብየት የርኢ ዝብሃል እውን ሓሶት እዩ፤ብዙሓት እናጠመዩን ኣብ ጎደተናታት እናሓደሩን ምዕባለ ኣሎ ክብሃል ኣይክኣልን ይብሉ።

ክሳብ ቀረባ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ይሰርሑ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ናብ ወፃኢ ሃገር መፂኦም ዝተረፉ ኣብ ምንስቴር ሓበሬታ ምንስቴር ድኤታ ዝነበሩ ኣቶ ኤርሚያስ ለገሰ ናይ ኢህወዴግ ናይ ዝሓለፉ ሰለሰተ ምርጫታት ሬከርድ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።

ካብ ትግራይ ዝመፀን ገዛኢ ኢሎም ዝፀውዕዎን ህውሓት ዘውፅኦም ኣብ ኢደይ ዝርከቡ ዝበሉዎም ሰነዳት ይጠቕሱ።

ካብቶም ሰነዳት ሓደ ኣብ 1994 / ዝተፅሓፈ ‘’ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣብ ኢትዮጵያ’’ ዝብል ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ቀንድን ፈላማይ ነጥቢ ብዘይካ ኢህወዴግ ኢትዮጵያ የላን ዝብል እዩ ይብሉ።

‘’ምርጫን ዴሞክራስን ኣብ ትሕቲ ዘርኣዊ መንግስቲ’’ ብዝብል ኣርእስቲ መግለፂ ዝሃቡ ዶ/ር ጌታቸው በጋሽው ክውሰዱ ኣለዎም ዝበሉዎም ጥንቃቐታት ብምዝርዛር ህውሓት ንሕና እንድሕር ዘይሃሊና እዛ ሃገር እዚኣ ክትበታተን እያ ይብሉና ኣለው ኢሎም።

‘’እዚ ዘርኣዊ ስርዓት ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ስግግር፣ብሰላማዊ ናይ ፓርላማ ዴሞክራሲ፣ብሰላማዊ ናይ ስልጣን መቐሎ ኣይኣይምንን ስለዚ እቲ ቓልሲ ብኻሊእ መንገዲ፣ብሓይሊ ንዝመፀ ብሓይሊ ንምውጋድ ምድላውን ምልዓልን እዩ’’ ክብሉ ፀዊዖም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:00 0:00

XS
SM
MD
LG