ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስቃይ ኤርትራውያን ኣብ በረኻ ሲና ኣብ ኢድ በደዊን ቀፂሉ'ሎ


ስቃይ ኤርትራውያን ኣብ በረኻ ሲና ኣብ ኢድ በደዊን አይነከየን እካደአስ ኣብዚ እዋን'ዚ ኸአ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ኢድ'ቶም በደዊን ኣብ በረኻ ሲና ይሳቀዩ'ለው ይብሉ ንጉዳዮም ዝከታተሉ ዘለው ተሓለቅቲ መስል ስደተኛታት።

ኣብ ሮማ ጣልያን ናይ ዝመደብሩ ንመኽሰብ ዘይቆመ ትካል ኤጀንስያ ሓበሻ መስራትን መራሕን ኣባ ሙሴ ዘርአይ ኣብዚ እዋን ካብ ዘለውሉ ሲዘርላንድ፡ ሜሮን እስቲፋኖስ ኸአ ካብ ሽወደን ካብ ዓለም-ለኸ ማሕበር ስደተኛታት ኤርትራውያን እቲ በቶም በደዊን ዝሕተት ዘሎ ገንዘብ'ውን ከዝወሰኸ ገሊፆም።

ናይ ዩናይትድ ሴተይትስ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢን ትካል ምርመራ ገበናትን ኣብ ልዕሊ'ቲ ጉዳይ ተገዳስነት ከም ዘርአዩን ነቲ ጉዳይ ሒዞሞ ከምዘለው ዘለዎም ሓበሬታውን ገሊፆም።

ብተወሳኺ'ውን እቶም በደዊን ኾነ ደለልቶምን ምስአቶም ሓቢሮሞም ዝሰርሑን ኤርትራውያን ዝምልከትን ዝጥቀምሎም ሜላታትን ሓደሽቲ መንገድታትን ካልኦት ነጥብታትን ብዝምልከት'ውን መብርሂ ሂቦም'ለው።

ሙሉእ ፀብፃቡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG