ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወደብ ቤንጋዚ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ራአይን ሰማዕን ኣብ ዘይብሉ ተዓፂና'ለን ኢሎም


ኣብ ሊብያ ዘለው ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓዊሱ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ገና ናይ ርድኡና ድምፆም የስምዑ'ለው።

ኣብ ሊብያ ቤንጋዚ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝቀነዩ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብቲ ዝነበርዎ ናብ ሓደ ራአይን ሰማዕን ዘይብሉ ተዓፂና'ለና ኢሎም። እቲ ሓድሽ ቦታ ንድሕንነትና ዘፍርሓና'ዩ ክብሉ'ውን ተዛሪቦም።

ኣብቲ ከባቢ ወኪል ዓለም-ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሒን ሚስ ሞኒካ ዲናዳናርሊ ብወገነን እቲ ቦታ ካብቲ ዝነበርዎ ዝሓሸ'ዩ ኢለን ። አተሓሒዘን እቲ ዘለውዎ ካምፕ ብሃገራዊ ቀይሕ ወርሒ ሊብያ ዝካየድን ትካለን'ውን መግቢን ናውቲ ክሽነን ኣብ ምቅራብን ከምዝሕግዝ ገሊፀን።

ብኻልእ ወገን ኸአ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ሊብያ ብኤምባሲ ሱዳን ኣቢሎም 370 ሰባት ተመዝጊቦምለው ኢሎም። ነዚአቶም ብወገን ግብፂ ንምውፃእ ኸአ ምቅርራባት ተዛዚሙ'ሎ ክብሉ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG