ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ በረኻ ሲና ብዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ተታሒዞም ዘለው መንእስያት ናይ ርድኡና ድምፆም የስምዑ


እቶም መንእሰያት በብጉጅለታት ተገይሮም'ዮ ተታሒዞም ዘለው። ገለ ካብቶም ኣብ ክልተ ጉጅለታት ተገይሮም ተታሒዞም ዘለው እቲ ዘለውሉ ኩነታት ኣዝዩ ዘስካሕኽሕዩ ኢሎም።

ዓሰርተ ሰባት ብሓንሳብ ክልቲኡ ኣእጋሮም ተአሲሮም ናብ ሽቃቅ'ኻ ንምኻድ ክሳብ ዘፀግሞም ምኻኑ ተዛሪቦም።

እቶም ዛጊድ ብህይወት ዘለው ገንዘብ ዝሰደልና ሰብ አሎ ስለዝበሉ ምኻኖምን የብለይን ዝበሉ ሓደ ኣብ ቅድሚኦም ከምዝቀተልዎን ሓደ ወሲዶም ኣበይ ከም ዘእተውዎ ከምዘይፈልጡን'ዮም ገሊፆም።

ብተወሳኺ ምስአቶም ዝተአስሩ ብፆቶም ብሕማምን ጥምየትን ይሞቱ ከምዘለውን እቲ ዝተረፈውን ኹሉ ብጥምየት ይስልኪ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

መብዛሕትኦም'ቶም መንእሰያት ካብ ከባቢ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን፡ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ገለ'ውን ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ሽገራብ ብሓይሊ ተጨውዮም ዝተወስዱ ምኻኖም'ዮ ተዛርቦም።

XS
SM
MD
LG