ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግቡኦም ንዝፈፀሙ መንእሰያት ንዘይምጥያስ ዶብ ዘይምሕንፃፅን ስግአት ኹናት ከም ምኽንያት ምቅራብ ዕላምኡ ዝሰሓተ ኽትዕ'ዩ-ዶ/ር ጋይም ክብረአብ


ኣብ ኤርትራ እዋን ውታሃደራዊ ኣገልግሎቶም ንዝፈፀሙ መንእሰያት ንዘይምጥያስ ዶብ ዘይምሕንፃጽን ስግአት ኹናትን ከም ምኽንያት ምቅራብ ዕላምኡ ዝሰሓተ ኽትዕ'ዩ ክብል ዶ/ር ጋይም ክብረአብ ተዛሪቡ።

እቶም 18-እዋርሕ ግቡኦም ዝፈፀሙ ኣጣይስካ እቲ ሓደጋ ኣሎ ኢልካ እንተ አሚንካ፡ ዶብ ክሳብ ዘይተሓንፀፀ ክህሉ'ውን ይኽእል'ዩ ፡ ነቲ ዝተማሃርዎ ናይ ውግእ ስልቲ ከይርስዕዎ እቲ ዝተማህርዎ ኣብ ሳዋ መታን ከይርስዕዎ ኹሎም ኣድራሽኦም ተታሒዙ አበይ ሪፖርት ከምዝገብሩ ብስርዓት አዋዲድካ ኣብ ዓዓመት'ውን ከከም'ቲ ኩነታቱ ዝፈቅዶ ንወርሒ ይኹን ክልተ ሰሙን ወይ'ውን ሰሙን እናምፃእካ ትዕልሞም፡ ነቲ ፍልጠቶም ከተሕድሶ ትኽእል ኢኻ ኢሉ ዶ/ር ጋይም ክብረአብ።

እዚ ናብረኦም እናገበሩ ስድረኦም እንዳአለዩ ስለዘካይድዎ እቲ ኣብ ሃገር ዘለዎም ስሚዒት በቲ ደረጃ'ዩ ዝልዕል ክብል ዶ/ር ጋይም ወሲኹ።

ሕጂ ግን ብዘይድልየቶም ብሓይሊ ቆሪንካ ሓደጋ'ሎ ኢልካ ብጥርሑ እንዳስራሕካ እዚ ንናይ ሃገር ምክልኻል ዘለዎም ድልየትን ንናይ ኤርትራ ናይ ምክልኻል ዓቅሚን የድክሞ'ዩ ኢለ'የ ዝአምን ክብል ዶ/ር ጋይም ተዛሪቡ።

ስለዚ ምጥያስ እንተዝግበር ፡ምጥያስ ግን ናይ ብሓቂ ምጥያስ፡ እንተዝግበር እሞ ሓገዝ ረኺቦም ርእሶም ዝኽእልሉ መንገዲ እንተ ዝፍጠር ንሃገር መበርከቱ ንዓታቶም'ውን ምተጠቀሙ ንስድርኦም'ውን መገልገሉ ኢሉ ዶ/ር ጋይም።

እዚ ክሳብ ዝኸውን ግን ነቶም ካብ ሃገር ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለው መንእሰያት ኣብ መንገዲ ዘሎ ሓደጋታት ምቅላሓን ሓበሬታ ምሃብን ሓላፍነት ኣለና፡ ኹሉ ሕልና ዘለዎ ሰብ'ውን ክገብሮ ዘለዎ'ዩ ክብል ዶ/ር ጋይም ክብረአብ ኣስሚሩ።

ዶ/ር ጋይም ክብረአብ ኣብ ሎንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ወስት ባንክ ዩኒቨርስቲ ናይ ሶሻል ስታዲስ ፕሮፈሰር፡ ከምኡ'ውን ኣብ'ቲ ዩኒቨርስቲ ዲረክተር ክፍሊ መፅናዕቲ ስደተኛታት፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዙሓት መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዘበርከተን ብዛዕባ ፖሎቲካዊ መስርሕ ኤርትራ ብርክት ዝበሉ ምርምራዊ መፃሕፍቲ ዝፀሓፈን'ዩ።

XS
SM
MD
LG