ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

2ይ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዕውቱ ኔሩ ክብሉ ኣቦ መንበሩ ኣቶ ኣምሃ ዶሞኒኮ ይገልፁ


ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተባህለ ተቃዋሚ ኣካል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 2ይ ኣኼብኡ ኣካይዱ።

እቲ ኣኼባ ብፖሎቲካዊ ሽማግለ ዝተዳለወ ሰነዳትን ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ዛዕባታትን ከምዝተመያየጠ ኣቦ መንበሩ ኣቶ ኣምሃ ዶሞኒኮ ካብ አዲስ ኣበባ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቅ ገሊፆም።

መንፈስ'ቲ ኣኬባ ኣዝዩ ፅቡቅ ብምንባሩ ብዙሓት ከምዚ ዝበለ ኣይትራእየን ከምዝብሉ ዝገለፁ ኣቶ ኣምሃ ስምረትን መንፈስ ሓቢርካ ምስራሕ ዝተርእያሉ'ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG