ኣብ መጀመርታ'ዚ ወርሒ ገለ 60 ዝኾኑ ምሁራትን ሰብ-ሞያን: ገለ 15 ዝኮና ተቃወምቲ ውድባትን ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ አዲስ ኣበባ ተአኪቦም ምንባሮም ተገሊፁ'ዩ።

አብኡ ዝተኻፈሉ 3ተ ሰባት ማለት ዶ/ር መሓመድ ኪያር ካብ ኖርወይ፡ ዶ/ር ኣፈወርቂ ጳውሎስ ካብ ኦሃዮ፡ ዶ/ር የዕብዮ ወልደማርያም ካብ ኒው ዮርክ፡ ብዛዕባ`ቲ ኣኼባን ትርጉሙን፡ ጋዜጠኛ ምንያ ኣፈወርቂ ሓቲታቶም ኣላ።

ቀዳማይ ክፍሊ ዝሓለፈ ዓርቢ 16- መስከረም 2ይ ክፍሊ ኸአ ዝሓለፈ ሰሉስ 20- መስከረም ቀሪቡ ኔሩ። ሎሚ ኸአ 3ይ'ን ናይ መወዳእታን ክፍሊ እንሆ፣ ናብ ምልክት ድምጽና ብምኻድ ስምዕዎ፡