ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራውያን ነበርቲ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ሃገሮም ዝተፈላለየ መደባት የዳልዉ


ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ነበርቲ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ብምኽንያት መበል 26 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ሃገሮም ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ንናእሽቱን ንዓበይትን ዘተኮረ ዝተፈላለየ መደባት ኣዳልዮም ኔሮም።

እቲ ብቐዳም፡ ኣብ ፎርት ሃንት ዝተባህለ ኣብ ቨርጂንያ ዝርከብ ሰፊሕ ቀላዕ ናይ መዘናግዒ ስፍራ ዝተኻየደ ውዕሎ፡ ብዓቢኡ ንመንእሰያትን ቆልዑትን ኣድህቦ ዝሃበ`ዩ ኔሩ።

እቲ ብሰንበት ኣብ ማእከል ዋሺንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ምሸት ድማ፡ ዝተፍላለየ ንኤርትራ ዝምልከት ህልው ኩነታትን ማሕበረ-ኮማዊ መደባትን ከምኡ`ውን ካብ ኣስመራ ዝመጸ ናይ ፋሺን ምርኢታትን ዘጠቓለለ ኔሩ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

አቶ ሰለሙን ሃብታይ
አቶ ሰለሙን ሃብታይ

XS
SM
MD
LG