ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ስምረት ኤርትራዊያን መጻኢ ኤርትራ ብዝምልከት ሲምፖዝዮም ኣካይዱ


ዓለምለኸ ስምረት ኤርትራዊያን ወይ Eritrean Global Solidarity ዝተባህለ ሲቪካዊ ማሕበረሰብ መጻኢ ኤርትራ ብዝምልከት ሎሚ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ ዋሽንግተን ሲምፖስዩም ኣካይዱ።

ቀንዲ ዛዕባ እቲ ሲምፖዝዩም ዲሞክራሲያዊ ስግግር ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ኮይኑ ሕሉፍ ታሪክ ስግግር ዲሞክራሲ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምድህሳስ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብኸመይ ይትግበርን ክጋጥሙ ዝኽእሉ ዝበሎም ብድሆታት ብዝምልከት ብሰብ ሞያ ጽሑፋት ቀሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ሃገራት ግብጺ፡ሊብያን ቱኒዝያን ዝተራእየ ብ”ናይ ዓረብ ጽድያ” ዝፍለጥ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቃስ ዝምልከት መብርሂ ካብ ሰብ ሞያ ምስ ተዋህበ፡ ተሳተፍቲ ካብ ተመክሮ እዘን ሃገራት ክውሰድ ዘለዎ ኣወንታዊ ነጥብታትን ዘጋጠመ ብድሆታትን ኣሉታዊ ውጽኢታት ብዝምልከት ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ሕቶታትን ርእይቶታትን ብምሃብ ዘትዮም።

ኣብዚ ናይ ሓደ መዓልቲ ስምፖስዩም መንግስቲ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ስግግር ኣብ ምክያድ ዘይምዕዋቱን ንኩሉ ዝሓቑፍ ዲሞክራሲያዊ ስግግር ኣብ መጻኢ ብከመይ ክትግበር ከምዝኸአል ጽሑፋት ቀሪቡ።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ተራ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብዚ ዲሞክራሲያዊ ስግግር ብዝምልከት’ውን ጽሑፋት ቀሪቡ።

ሓንቲ ካብ ተሳተፍቲ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝነበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ፖለቲካዊ መዳያት ንጡፍን ውዕውዑን ኣይኮነን ብፍላይ ድማ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ብምባል ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ትሑት ምኳኑ ትገልጽ።

ብተወሳኺ “ ንኩሉ ዝሓቑፍ ምንቅስቃስ ንምክያድ ናይ ሓድሕድ ምስምማዕ ኣገዳሲ ምኳኑ” ብኣጽዕኖት ትገልጽ።

ዕላማ እቲ ሲምፖዝዩም ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ህልው ብድሆታት እታ ሃገርን ኣብ መንጎ ዝተፈላልያ ሃገራት ንዝርከባ ኤርትራዊያን ትካላት ዘተ ንምድላውን ንምሕያል ተሳትፎ ተራ ኤርትራዊያን፡ ሲቪካዊ ማሕበረሰብ፡ ውልቀሰባት፡ ማሕበረሰባት፡ ትካላትን ኣብ ምምዕባል ሰብኣዊ መሰላት፡ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ፖለቲካዊ ተሳትፎ ምዃኑ’ውን አዳለውቲ ኣቲ መደብ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG