ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ተራኺቦም


 መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን
መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር አብይ አሕመድ ሎሚ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ኣስመራ ኣትዮም።

ንሶም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተውሉ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምተቐበልዎም ሚኒስተር ዜና ኤርትራ አቶ የማነ ገብረ መስቀል ኣብዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣፍሊጦም።

በዚ ታሪኻዊ ዝተባህለ ርክብዚ: መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ድሕሪ 20 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ ይራኸቡ ኣለው።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን
መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን

​ኣቐዲሙ: ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ፤ ኢትዮጵያ ንናይ መወዳእታን ቀያድን ውዕል ኣልጀርስ ብዘይቅድመ ኩነት ተቐቢላቶ ኣላ ድሕሪ ምባሎም፤ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እውን " ንህልው ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቆትን ክንፈልጦን ቀጻሊ ውጥን ስራሕ ምእንቲ ክንነድፍን ልኡኽ ናብ አዲስ አበባ ነበግስ አለና” ክብሉ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ስውኣት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምግላጾም ይዝከር።

በዚ ድማ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተረኽቦን ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጽሑ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG