ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስመራ: ንቀ/ሚ ኢትዮጵያ ንምቕባል ምድላዋት ይግበር ኣሎ


ኣብ ኣስመራ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ንምቕባል ምድላዋት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ባንዴራታት ክልቲኣን ሃገራትን ንምሕዝነት ህዝብታት ክልቲኣን ሃገራትን ዝገልጽን መልእኽትታት ከምኡ'ውን ነቲ መሪሕነት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኹም መልእኽቲ ዝሓዙ ባነራትን ኣብ ጎደናታት ታ ከተማ ተሰቒሎም ኣለው።

ካብ መንግስቲ ብዛዕባ'ቲ ምብጻሕ ኾነ ሰዓታት ምእታው እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ኣስመራ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዝተወሃበ ሓበሬታ የለን።

XS
SM
MD
LG