ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ዝቀረበ ረቂቅ ማዕቀብ ንኤርትራ ብቑጠባ ንምሕናቅ ዝዓለመ'ዩ ኢሎም ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ


ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ'ቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቦም መብርሂ ክህቡ'ዮም ዝብል እምነት'ውን ኣለዎም

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ፅባሕ ረቡዕ ንጉዳይ ሶማልያን ኤርትራን ክዘራረብ መደብ ሒዙ‘ሎ።እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ‘ቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቦም ንፖሊሲ ሃገሮምን እቲ ኣንፀላልዩ ዘሎ ማዕቀብን ሳዕቤኑን ኣማእኪሎም መብርሂ ንክህቡ ዝቀረበ ሕቶ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ተጠቂሱ።

”እቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ማዕቀብ ናይ ኤርትራ፣ተራእዩ ዘይፈልጥን ኣዕናዊን ዝኾነን ማዕቀብ‘ዩ።ንኤርትራ ብቁጠባ ሓኒቅካ፣ብዲፕሎማስን ብፖለቲካን ከምትንፀል ገይርካ ንምንብርካኻ ዝግበር‘ዩ።ብመሰረቱ ካኣ ንመንግስቲ ኤርትራ ገልቢጥካ፣ኢትዮዽያ ዝደለየቶም ኣብ ስልጣን ኮፍ ኣቢላ ድልየታ ንክትገብር ዝተሃቀነ‘ዩ” ኢሎም ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ።

”ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ መፂኦም መብርሂ ንክህቡ ዝሓተትና ምኽንያት፣ ናይ ኤርትራ ፖሊሲ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብከመይ ብንፁር እንታይ‘ዩ እቲ ሪኢቶና፣ሰላም ዝመልኦ ምሕዝነት፣ሰላም ዝመልኦ ንግዲ ክንገብር ዘኽእል ጉዳያት ሓንፂፅና ንኸይድ ስለዘለና ንእኡ ዝያዳ ንምብራህ ክጠቅመና̎’ዩ ኢልና ስለንኣምን‘ዩ ኢሎም” እቶም ኣምባሳደር።

ንምሉእ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ምልክት ድምጺ ክፈቱ

XS
SM
MD
LG