ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰለስተ ኤርትራዊያን አትሌታት አብ ውድድር ጎቦታት አውስትራልያ ተዓዊቶም።


ኤርትራዊያን አትሌታት አብርሃም ኪዳነ፤ ፐትሮ ማሞ፥ዮሴፍ ተክለ አብ አውስትራልያ ዝተካየደ ውድድር ጎቦታት: ቀዳማይ፤ ካልኣይን: ራብዓይን ብምኳን ተዓዊቶም።

አትሌት አብርሃም ኪዳነ ነቲ ውድድር ብ38 ደቂቅን 29 ካልኢትን ክፍጽሞ ከሎ፡ አትሌት ፐትሮ ማሞ ድማ ነቲ ውድድር ብ38 ደቂቅን 30 ካልኢትን ዛዚምዎ`ሎ።

እዚ ብምትሕብባር ማህበር ፈደረሸን አትሌታት ዓለምን ማህበር ጎየይቲ ጎቦታትን ዓለምን አብ ከተማ አስትዝ (Astiz) ኣውስትራልያ ን4ይ ጊዜ ዝካየድ ዘሎ ውድድር፡ ካብ 20 ሃገራት ዝተዋጽኡ አትሌታት ተሳቲፎም ኔሮም።

እቲ 1126 ብራኸን 12 ሜትር ርሕቀትን ዝሸፈነ ውድድር፡ በዓይነቱ ካብቲ ዝሓየለ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ምዃኑ ማህበር ፈደረሸን አትሌታት ዓለም ገሊጹ`ሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:09 0:00

XS
SM
MD
LG