ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ብዛዕባ`ቶም ዝሓዘቶም 4ተ እንግሊዛውያን ዝርዝር ሓበረታ ክተውጽእ ጀሚራ


መንግስቲ ኢንግሊዝ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብመሰረት ውዕል ቬየና ቆንስላዊ ምብጻሕ ንክፍቀደሎም ምድፋእና ክንቅጽል ኢና ኢሉ`ሎ

ኤርትራ ዝሓለፈ ታሕሳስ 2010 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተወቶም ኣርባዕተ እንግሊዛውያን፣ምስ ካልኦት ልዕሊ ዕስራ ዝኾኑ እንግሊዛውያን ብምዃን ኣብ ማያዊን ደሴታውን ግዝኣት ኤርትራ፣ናይ ወረራ፣ስለያን ግብረ ሸበራን ስራሕ የካይዱ ምንባሮም ገሊፃ።

ምንስትሪ ወጻኢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብዕለት 23/12/2010 እቶም ንባጽዕ ብጉልባብ መግብን ነዳዲን ዝኣተው 6 እንግሊዛውያንን እቲ ብጉልባብ ቱሪስት ካብ ጅቡቲ ቪዛ ረኺቡ ዝኣተወን ብዘይሕጋዊ መውጽኢ ፍቓድን ቪዛን ጸልማት ተጎልቢቦም መብራህቲ ኣጥፊኦም ብመርከብ SEA SCORPIONን ፈጣን ጃልባ RED RIBን ካብ ወደብ ባጽዕ ሃዲሞም፣ ድሕሪ ናይ 3 ኖቲካል ማይልስ ጉዕዞ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብዝተኰስዎ ናይ መጠንቀቕታ ተዂሲ SEA SCORPION ምስዞም ሕጂ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ 4 እንግሊዛውያን ባሕረኛታት ኪትተሓዝ እንከላ እታ RED RIB ዝተባህለት ፈጣን ጃላባ ምስ 3 ባሕረኛታት ሃዲማ ናብ ደሴት ሮምያ ብምእታው ነቶም ኣብ ሮምያ ዝነበሩ 8 እንግሊዛውያንን 3 ግብጻውያንን ሒዛ ክትሰከሞ ትኽእል ሳናዱቕ ኣጽዋርን መሳርሒታትን ጽዒና ተሰዊራ” ይብል።

ብዘይካ‘ዚ፣መንግስቲ እንግሊዝ ነዞም ገበን ወራር፣ስለያ፣ሸርሒን ሸበራን ክፍፅሙ ከለው ተታሒዞም ዝተባሃሉ እንግሊዛውያን ጉልባብ ዝኾኖም ፈቃድ ንግዲ ምሃቡ ተሓታቲ’ዩ ይብል መንግስቲ ኤርትራ ዘውፀኦ መግለፂ።

መንግስቲ ኢንግሊዝ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብመሰረት ውዕል ቬየና ቆንስላዊ ምብጻሕ ንክፍቀደሎም ምድፋእና ክንቅጽል ኢና ኢሉ`ሎ። ግብረ መልሲ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ፡ ከከም ኣድላይነቱ ተወሰኽቲ ስጉምትታት ክንወስድ ኢና ዝበለ ምንስትሪ ወጻኢ እንግሊዝ፡ እቶም 4ተ እንግሊዛውያን ንዝፈጸምዎ ዝኾነ ይኹን ተግባራት ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ምስ መንግስቲ እንግሊዝ ምትእስሳርን ንመንግስቲ እንግሊዝ ተሓታቲ ምግባርን ብጽኑዕ ንነጽጎ ክብል`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG