ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ላምፐዱሳ ንዝጠፍአ ህይወት ተሓተቲ ኣስገርቲ ደቂ ሰባት እዮም ኢሎም ፕሬዝዳንታዊ ኣማኻሪ ኤርትራ


Yemane-Gebreab
Yemane-Gebreab
ኣብ ቀረባ ኣብ ኣብ ወሰን ባሕሪ ጣሊያን መብዛሕቲኦም ኤርትራዊያን ዝኾኑ ልዕሊ 300 ኣፍሪካዊያን ስደተኛታት ዝሞትሉ ብምኽንያት ኣስገርቲ ደቂ ሰባት እዩ ክብሉ ኣማኻሪ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣቶ የማነ ገበረኣብ ገሊፆም።

ካብ ደሴት ላምፓዱሳ ፍርቂ ማይል ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ከብቢ 500 ስደተኛታት ፅዒና ካብ ዝጠለቐት መርከብ ብህይወት ዝተረፉ 155 ሰባት ጥራሕ እዮም።

ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንትታዊ ኣማኻሪ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ‘’እቲ ሓደጋ ኣንፃር ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣንፃር መንእሰያት ኤርትራ ዝተፈፀመ ገበን እዩ’’ ኢሎምዎ ኣለው።
እዚ ስራሕ እዚ ካብዚ ናይ ዝርብሑ ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ተግባር እዩ ዝብሉ ኣቶ የማነ ኣስዒቦም ‘’ነዚ ዘንቀሳቕሱ ብድሕሪት ብርቱዕ ሓይልታት ኣለው።ኣካል ኣብ ልዕሌና ዝተነብረ እገዳታት ይካየድ ዘሎ ቀፃሊ ኵናት እዩ።ኣካል ዘይሕጋዊ ጎበጣ ግዝኣት ኤርትራ እዩ’’ ኢሎም።

ኤርትራ ንእቶም ግዳያት ተቐቢላ ኣብ ሃገራ ክትቐብሮም ድልየት መንግስቲ ኤርትራ ጥራሕ ኮይንኮነስ ድልየት ስድራ እቶም ግዳያት ስለዝኾነ ንሰርሕ ኢና ዘለና ኢሎም ኣቶ የማነ።
እዚ ናይ ሰበስልጣን መንግስቲ እወጃ እቲ ምምሕዳር ነቲ ናይ ጀልባ ሓደጋ ንፕሮፖጋንዳ መሳርሒ ይጥቀመሉ ከምዘሎ መረጋገፂ እዩ ይብሉ ነቐፍቲ።ኣቶ የማነ ግን ምስዚ ኣይሰማምዑን።

ሰበስልጣን ገለ ሃገራትን ትካላትን ኢዶም ዝሓውስሉ ሰፊሕ መርበብ ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ከምዘለኦን ብድሕሪት እንታይ ይፍፀም ከምዘሎ ብመራኸቢ ብዙሃን ንምግላፅ ዋላ ሓደ ፈተነ ከምዘይተገበረን ሓቢሮም።እዚ ኵናት እዚ ጠጠው እንድሕር ዘይበለን ነዚ ዘዋድዱ ዘለው ገበነኛታት ናብ ሕጊ እንድሕር ዘይቀሪቦምን ብዙሓት ግዳያት ክህልው እዮም ኢሎም ብምቕፃል።

መናእሰይ ናብ ወፃኢ ሃገር ንኽወፁ ዝውስኑ ዘለው መንግስቲ ንዕኦም ዝኸውን ስራሕ ስለ ዘይፈጠረ እዩ ይብሉ ተዓዘብቲ።ኤርትራ ስራሕ ካብ ምፍጣር ሓሊፋ ፀላእተይ ንእትብሎም ምኽሳሳ ጌጋ እዩ ይብሉ ብምውሳኽ።
ኣቶ የማነ ግን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳታት ተነቢርሉ ዋላ እንተሃለወ እውን መንግስቲ ኤርትራ መነባብሮ ንምምሕያሽን ድኽነት ንምንካይን ብሕቡራት መንግስታት ንዝገብሩ ፃዕርታት ንምምላእ ዝሕግዙ ስጉምትታት እያ ኣብ ግብሪ ተውዕል ዘላ ክብሉ ነቲ ኽሲ ይነፅግዎ።

ኤርትራ ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዓብዪ ስዳሮታት ኣርእያ እያ ዝበሉ ኣቶ የማነ ንመብዛሕቲኦም ናይ ሕቡራት መንግስታት ሸቶታት ልምዓት ሚሊኒየም ኣብ ምዕዋት ኢና ንርከብ ኢሎም።’’መንግስቲ ኤርትራ ንመንእሰያቱ ይከናኸንን ዕድል ይፈጥረሎምን እዩ ዘሎ’’ ምስ በሉ ኤርትራዊያን ከይኮኑስ ኣፍሪካዊያን ብሓፈሻ እዮም ናብ ኣውሮፓን ካልኦት ከባቢታትን ንምስዳድ ዝፍትኑ ዘለው ኢሎም።

ናይ ደገ ሓይልታት ንቶም መናእሰይ ካብ ሃገሮም የወፅኡዎም ኣለው ክብሉ ይኸሱ ኣቶ የማነ።ኤርትራዊያን ከም ናይ ኢኮኖሚ ስደተኛታት ከይኮኑስ ከም ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተቲ ስለዝቕበሉዎም እዩ ምስ በሉ እዚ ኮነ ተባሂሉ ናይ ዝካየድ ፖሊሲ እዩ ኢሎም።እዚ ብዝግባእ ዝተሰነደ ምዃኑ ፕሬዝዳንታዊ ኣማኻሪ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣፍሊጦም።
XS
SM
MD
LG