ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነት፡ ሚኒስትሪ ቱሪዝምን ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ዝተወደበ “ምርኢት ፍርያት ሓምላይ ውርሻ” ዝተሰመየ ምርኢት ቅዲ ክዳን ሓሙስ 30 ግንቦት 2024 ኣብ ኣስመራ ኣዳራሽ ኤርትሮ-ጀርመን ቀሪቡ።
ኣብዚ ብዓይነቱን ውዳበኡን ናይ ፈለማ ከም ዝኾነ ዝተገልጸ ምርኢት ቅዲ ክዳን ዝቐረቡ ፍርያት፡ ብዲዛይነርን መምህር ቅዲ ክዳንን ዓለባን ነጋሲ ተስፋጽየን ዝተዳለወ እዩ።
ዲዛይነር ነጋሲ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ዓለባታት ምሉእ ብምሉእ ካብ ጡጥ ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ብምጥቃስ ልዕሊ 10 ዓመታት መጽናዕቲ ዝወሰደ ፈጠራዊ ስራሕ ከም ዝኾነ ገሊጹ።
ኣወሃሃዲ ናይ’ዚ ምርኢት ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ ብወገኑ እቲ ፍርያት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝርከብ ጥረ ነገራትን ውሽጣዊ ዓቕምን ዝፈረየ፡ ብዙሕ ሃልኪ ጸዓትን ወጻኢታትን ዘይሓትት ብትኪ ኣልቦ ኢንዳስትሪ ዝፈረየ ምዃኑ ብምሕባር፡ በዚ መሰረት ድማ “ፍርያት ሓምላይ ውርሻ” ዝብል ቴማ ወይ መጸውዒ ከም እተዋህቦ ኣረዲኡ።
እቲ ፍርያት ዓለባ ድሮ ኣብ ኡጋንዳን ዛምብያን ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት ተሳቲፉ ከም እተዓወተን ጽቡቕ ተቐባልነት ከም ዝረኸበን ዝተዛረበ ኣቶ ምሕረትኣብ፡ ነዚ ፍርያት ናብ ሰደድ ንምልኣኽ ይስራሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኣብቲ ሓሙስ 30 ግንቦት ዝተኸፍተን ብስነ ጥበባዊ መሰናድኦታት ተሰንዩ ዝቐረበ ምርኢት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ሓለፍቲ ስራሕን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማት ነቲ ማእለማ ዘፍረያ ደቂ ኣንስትዮን ዕዱማትን ተረኺቦም ነይሮም።
ቅጥዒ