ኣብ ኩለን ጽላታት ጽቡቕ መበገሲ ጌርና ምዕባለ ኣርኢና ከምዘለና ኣብ ዘካየድናዮም ሲምፖዚየማት ገምጊምና`ለና ዝበለ ዶ/ር ወልዳይ፡ ከምቲ ንደልዮ`ኳ እንተዘይኮነ፡ ብፍላይ ኣብተን ኣገደስቲ ዝበሃላ ከም ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ጽሩይ ማይ ጽቡቕ ለውጢ ኣምጺእና`ለና ኢሉ።
ኣተሓሒዙ ህዝብና ስለዝበቐቕናሉ ዘይኮነስ፡ እቲ ክበጽሖ ዘለዎ መድረኽ ህንጸት ሃገር ክሳብ ዝበጽሕ ከምቲ ክኽፈሎ ዝግባእ ከይከፈልና ብናጻ ይሰርሕ ኣሎ ኢሉ።
ብዛዕባ ኢንቨስትመንት ክዛረብ ከሎ ድማ፡ ንሕና ንደቂ ሃገር ይኹኑ ደቂ ወጻኢ፡ ንኤርትራ ብዝጠቅም ከዋፍሩ ነተባብዕ ኢና ኢሉ።
ንነጋዶ ብዝምልከት ሕግታትን ኣሰራርሓን እናተመሓየሹን እናተኣረሙን ይኸዱ ከምዘለዉ ዶ/ር ወልዳይ ፍጡር ኣብሪሁ።
ነዚ 10 ደቒቕ ዝንውሓቱ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ`ዚ ምልክት ድምጺ ጠውቑ: