ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ግብጺ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ክተዐብይ ዘለዋ ቅርቡነት ኣረጋጊጹ


ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ አል ሲሲ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ክተዐብይ ዘለዋ ቅርቡነት ኣረጋጊጹ።

ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ምብጻሕ ምስ ዝፍጽም ዘሎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ኣገዳስነት ምትግባር ሓባራዊ ምትሕብባር ኣብ ዓውድታት ሕርሻ፡ ሓይሊ ጸዓት፡ጥዕናን ንግዲን ዘለው ፕሮጀክትታት ሓቢሩ።

ፕረዚደንት አል ሲሲ ብተወሳኺ ኣብ ምፍታሕ ዞባዊ ጉዳያት፡ ከም ግብረሽበራ ዝአመሰ ሓባራዊ ስግኣታት ኣብ ምብዳህ ኣብ መንጎ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ዓለምለኸ መድረኻት ዘሎ ልዑል ደረጃ ምትሕብባር ምሙጓሱ ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ባዚም ራዲ ገሊጹ።

ክልቲኦም ወገናት ምስ ህልው ኩነታት ዝዛመድ ኣብ`ቲ ዞባ ጸጥታን ርግኣትን ኣብ ምንጋስን ሰፊሕ ዝኾነ ምትሕብባር ክቕጽሉ ከምዝተሰማምዑ ወሃቢ-ቃል ፕረዚደንት ግብጺ ወሲኹ ጠቒሱ`ሎ።

ፕረዚደንት ኢሰያስ ብወገኑ ግብጺ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ መሪሕ ተራን ኣብ ኣፍሪቃ ምዕባለ ንምርግጋጽ ዘለዋ ቅርቡነት ኣመጉሱ፡ ሃገሩ ምስ ግብጺ ዘለዋ ምትሕብባር ኣብ ምሕያል ዘለዋ ድልየት`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

ትማሊ ኣብ ፕረዚደንታዊ ቤት መንግስቲ ኢትሓዲያ ምርኻቦም ዝገለፀት ጋዜጣ ኣል-ኣሕራም ብወገና ክልቲኣዊ ርክባት ንምዕዛዝ ከምኡ እውን ኣብ ሃገራት ወሓይዝ ናይልን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘሎ ምዕባለታትን ብዝምልከት ከምዝዘተዩ ፀብፂባ’ላ። ናይ ኤርትራ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ብወገና፡ ፕረዚደት ኢሳያስ ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ግብጺ ከምዝተራኸበን፡ ዝተፈላለያ ፕሮጀክትታት ልምዓት ከምዝበጽሕን ኣፍሊጣ`ላ።

እዚ ርክብ ካይሮ ዝግለጽ ዘሎ፡ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ዶብን ምህናጽ ዓቢይ ግድብ ናይልን ውጥረት ኣብ ዝዓረገሉ እዋን`ዩ- ከም ጸብጻብ ዋሺንግተን ፖስት።

ኢትዮጵያ ብወገና፡ ሚንስተር ወጻኢኣ ናብ ኢማራት ዓረብ ከምዝለኣኸትን፡ ካብ ሱዳን ሓለቓ ወተሃደራዊ ስታፍ ምቕባላን ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG