ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም


ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ናይ ግብፂ መዘንኦም ዓብድል ፈታህ ኤል-ሲሲስን ሎሚ ሶሉስ ኣብ ካይሮ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም።

እቶም መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት እናዓበየ ይኸይድ ዘሎ ንዝበሉዎ ርክባት ንግድን ኢንቨስትመንት ከምኡ እ’ውን ዞባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ክዘራረቡ እዮም ክብሉ ናይ ኤርትራ ሚንስትር ሓበሬታ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሎሚ ኣብዘውፅኡዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ገሊፆም ኣለው።

ኣብ ፕረዚደንታዊ ቤት መንግስቲ ኢትሓዲያ ምርኻቦም ዝገለፀት ጋዜጣ ኣል-ኣሕራም ብወገና ክልቲኣዊ ርክባት ንምዕዛዝ ከምኡ እውን ኣብ ሃገራት ወሓይዝ ናይልን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘሎ ምዕባለታትን ብዝምልከት ከምዝዘተዩ ፀብፂባ’ላ።ፕረዚዳንት ኢሳያስ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ከምዘካይዱ ተሓቢሩ’ሎ።

ብተመሳሳሊ ዜና ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ምስ ሓለቓ ስታፍ ሱዳን ሌቴናል ጀነራል ኤማድ ኣል-ዲን ሙስጣፋ ኣዳዊ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምዝርራቦም ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ፀብፂባ።

እቶም ጀነራል ካብ ፕረዚዳንት ዑማር ኣል-በሽር ዝተለኣኸ ደብዳበ ከምዘረከቡ ተሓቢሩ’ሎ።ጠመተ ናይቲ ዝርርብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክባት ንምሕያል ምዃኑን ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ካብ ዝጅምር እቲ ርክብ እናሓየለ ከምዝመፀን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ሚዲያን ርክባት ህዝብን ዛዲግ ኣብርሃ ዝጠቐሰ ፋና ፀብፂቡ።

ብኻልእ ዜና ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ዑደት ይፍፅሙ ከምዘለው ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG