ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ዊኒፔግ ካናዳን ጋዜጣ ፍሪ ፕሬስ'ታ ኸተማን፡ 2ይ ክፋል


አብ ካናዳ ከተማ ዊኒፔግ ዝርከብ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ፍሪ ፕረስ ዝተባህለ ጋዜጣ'ታ ኸተማ ነቲ ኮሚኒቲ ምስ ግብረ ሽበራ ዘተሓሕዝ ፅሑፍ አውፂኡ ብምባል ኣንፃር'ታ ጋዜጣ ንምቅዋም ትማሊ ሓሙስ 15 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም ኣብ አፍደገ ቤት ፅሕፈት'ቲ ጋዜጣ ወፂኦም ተቃውሞኦም ብሰልፊ ገሊፆም ኔሮም።

ኣቦ መንበር'ቲ ማሕበረሰብ አቶ ላምቡሩስ ክርያካኮስ እታ ነቲ ርፖርት ዝፀሓፈት ጋዜጠኛ ቅድሚ ሎሚ ብዛዕባ'ቲ ማሕበረሰብ ዝፀሓፈቶ ነቲ ማሕበረሰብ ዝየንፀባርቅን ግጉይን ሓበሬታ ጥራይ ዘይኾነስ ነቲ ማሕበረሰብ ዘሰከፎን ብምኻኑ ነዚ ሰልፍ ከምዝገበሩ ን'ሬድዮ ድምፂ አሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቅ ተዛሪቡ።

እቲ ዝወፀ ፅሑፍ ትኽኽል'ዩ ዝብሉ ኤርትራውያን ወገናት'ውን በቲ ኻልእ ወገን ኔሮም።

ነቲ ፅሑፍ ካብ ዝደገፉ ሓደ አቶ ዮውሃንስ አልማዝ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ሬድቶ ድምፂ አሜርካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ "እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዓለም ዝበለ ይበሎ ንህዝቡ ተረራይዝ ዝገብር ዘሎ ስለዝኾነ ተረርስቲ'ዩ፣ ንዕኡ ዝድግፍ ኸአ ተረርስቲ'ዩ" ኢሉ።

አቶ ላምብሩስ ብወገኑ "ንሕና ከም ህዝቢ አበይ ይኸይድ'ሎ ንዘይንቅበሎ ገንዘብ መስከርቲ አይኮንናን፡ ኣንታይ ደአ ነቲ ዝግበር ዘሎ ፅዕሪ ኣብ ሃገርና ከም ሃገራዊ ኮሚኒቲ ኢና ደው ኢልና ዘለና፡ ንዝኾነ ሃገራዊ ሕቶ ክንድግፎ ኢና፡ እቲ ንመንግስቲ ዝምልከት ግን መንግስቲ'ዩ ዝምልሾ" ኢሉ።

ንምሉእ ትሕዝቶ'ቲ ምስ አቶ ላምብሩስ ዝተኻየድ ቃለ- መጠይቅ ንምስምዑ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG