ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መረጻ ትግራይ 2012 ተዛዚሙ፣ ምቁጻር ድምጺ ተጀሚሩ


መረጻ ትግራይ 2012
መረጻ ትግራይ 2012

ናይ ሎምዘበን ክልላዊ መረፃ ትግራይ ሎማዓንቲ ተኻይዱ ኣሎ

እቲ መረፃ "ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ ጥራሕ ከምዝመሓደር ዘርኣየሉ ፍሉይ ዕለት እዩ" ኢሉ ገሊጽዎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

ኣብቲ መረፃ ብመራፅነት ዝተሳተፉ ሰባት ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ኣብቲ መረፃ ንምስታፍ ናብ ጣብያ መረፃ ምምፀኦም ገሊፆም

እቲ መረፃ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መድረኽ ዓለም ስሙ ክብ ዘበሎ ፀላእቱ ድማ ርእሶም ከድንኑ ዝገበረ እዩኢለን ኣብ ከተማ መቐለ ንህወሓት ወኪለን ዝተወዳደራ ወይዘሮ ከሪያ ኢብራሂም

ንውድብ ናፅነት ትግራይ ወኪሎም ዝተወዳደሩ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ ብወገኑመረፃ ትግራይ ከም ካሊእ መረፃ ኣይኮነን ከም ሪፍረንደም እዩ ዝቑፀር ኢሉ

ኣብ ትግራይ ዝመሰረቶም ዓረና ትግራይን ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን ውድባት ‘እቲ መረፃ ሕጋዊ ኣይኮነን’ ብምባል እውን ዘይሳተፍሉ መረፃ እዩ።

ኣብቲ መረፃ ክሳተፉ ምንቅስቓስ ጀሚሮም ዝነበሩ 2 ናይ ውልቀ ተወዳደርቲ ኮምሽን መረፃ ፍትሓዊ ኣይኮነን ብምባል ዓርሶም ኣግሊሎም። 4 ናይ ውልቀ ተወዳደርቲ ተሳቲፎም።

ልዕሊ 2 ነጥቢ 76 ሚልዮን ህዝቢ መሪጹ። 38 ክልላት መረፃ 2672 ጣብያታት መረፃ ኣለዉ።

ኣብዚ መረፃ ህወሓት፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ባይቶና፣ ውድብ ናፃነት ትግራይን ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን ተሳቲፎም ኣለዉ።

ናይ 2012 ክልላዊ መረፃ ን190 መናብር ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ እዩ ተኻይዱ። 152 መናብር ኣብዝሓ ድምፂ ብዝረኸቡ ዝተሓዝ እቲ 38 መናብር ድም ኣብቲ መረፃ ዝተሳተፉ ውድባት ብዝረኸብዎ በዝሒ ድምፂ ብተመጣጣኒ ስርዓት መረፃ ተቖፂሩ ዝካፈልዎ እዩ።

XS
SM
MD
LG