ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ወግዒ ክልተ ምርጫታት - ንመደራጉሕ ዝገትአ ሃገራዊ ጉያ" ብኣቶ በረከት ስምኦን ዝተደርሰት መፅሓፍ


ቀንዲ ጠንቂ ምግምማዕ ህወሓትን ኢህወዴግን ኤትራን መንግስታን'ዶ፣ድኽነትን ስእነት ዴሞክራሲን? ዝብል ከምዝነበረ'ውን ይገልፁ

ምንስቲር ኮምኒኬሽን ኢትዮዽያ ኣቶ በረከት ስምኦን፣ኣብ‘ዚ ቀረባ “ወግዒ ክልተ ምርጫታት” - “ንመደራጉሕ ዝገትአ ሃገራዊ ጉያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ሓደ መፅሓፍ ብኣምሓርኛ ናብ ንባብ ኣቅሪቦም ኣለው።

ኣብ ክሊ ክልተ ዳሕረዎት መስርሕ ምርጫ ካብ ኢህወዴግ ዝተዋሃበ ዝተማለአ መብርሂን መልሲን ዘይምንባሩን ንሶም ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ኣብ‘ቲ መስርሕ ቀጥታዊ ተሳትፎ ስለዝነበሮምን እቶም ምርጫታት ኣብ ሓደ ፍልይ ዝበለ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ናይ ኢትዮዽያ ዝተፈፀሙ፣ኣብ ኢትዮዽያ ሓደስቲ ሓሳባት ዴሞክራሲ ወይካኣ ልምዓታዊ ዴሞክራሲ ኢልና ኣብ ንገልፆ ፕሮግራም ዝተተግበረሉ ጊዜ ዝተፈፀሙ ስለዝኾኑ ንምፅሓፍ ደሪኹኒ ይብሉ ኣቶ በረከት።

እንተኾነ፣እቲ መፅሓፍ ናይ ፖሊሲ ወይካኣ ኢህወዴግ ኣብ መፃኢ ዝትግብሮም መደባት ንምንፃር ተባሂሉ ብዛዕባ ፖሊሲ ዝትንትን መፅሓፍ ኣይኮነን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG