No media source currently available
ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ መን ይስዓር ብዘየገድስ ኵናት ማእኸላይ ምብራቕን ኣውሮጳን ምፍሕፋሕ ኣመሪካ ምስ ቻይናን ቀንዲ ጉዳያት ዲፕሎማሲ ኣመሪካ ኮይኖም ክቕፅሉ እዮም። ኣብ ቓዛ ነባሪ ደው ምባል ተዅሲ ገና ኣይተበፅሐን።ኣብ ዩክሬን ውግእ ይቕፅል እዩ ዘሎ።ቻይና ከኣ ስግኣት ኮይና ቀፂላ ኣላ።ኣብዚ ዝመጽእ ምርጫ ካብ ክልቲኦም ሕጹያት መን ይስዓር ብዘየገድስ እዞም ዛዕባታት እዚኦም ፈተናታት ኮይኖም ክቕፅሉ እዮም።