ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ፡ ሶማልን ግብጺን ንኩሉ መዳያዊ ምትሕብባር ይሰማምዓ

መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጺን ሶማልን ንመሰረታዊ መሪሕን ዓንዲን ዓለምለኸ ሕጊ ንምስዓብ ብፍላይ ድማ ነቲ ንጹር ክብሪ ንሉኣላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሃገራት እቲ ዞባን ዝብል ኣብ ኣስመራ ዘካየድዎ ዋዕላ ኣስሚሮምሉ።

ብተውሳኺ ኣብ መንጎ ሰለስቲኣን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባርን ርክብን ንምዕባይን ንምዕሟቕን ከምኡ'ውን ንምስፋሕ ትካላት ሶማል፡ ምብዳህ ውሽጣዊን ደጋዊን ብድሆታት፡ ምድንፋዕ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማልያ ንምብዳህ ግብረሽበራ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ምስምማዖም ሚንስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ሓቢሮም።

ሰለስቲኦም መራሕቲ ንኣብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው፡ ንኩነታት ሶማል ምስ ዞባዊ ምዕባለታት ንጸጥታን ምትሕብባርን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ሃገራትን ዝብሉ ጉዳያት'ውን ምዝታዮም ተሓቢሩ’ሎ።

ሰለስቲኣን ሃገራት ንኩሉ መዳያዊ ምትሕብባር ድማ ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ እተን ሃገራት ዝምራሕ ኮሚተ ክቐውም ተሰማሚዖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ ዝምራሕ ልኡኽ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቕድሚ ቐትሪ ኣስመራ ምእታው ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንፕረዚደንት ኣልሲሲን ምስኡ ዝመጸ - ሚኒስተር ሃገራዊ ጸጥታ ሜጀር ጀነራል ዓባስ ካምል፡ ሓለቓ ፕረዚደንታዊ ካቢነ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ዓሊ፡ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ኣሕመድ ዓብዱልዓጢ ዝርከቦ ልኡኽ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ወግዓዊ ኣቀባብላ ገይሩሉ።

ኣብ’ቲ ናይ ምቕባል ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሰብ-መዚ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ተረኺቦም ነይሮም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጉዳይ ክልቲኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያት ከምዝዝትዩ ኣቶ የማነ ኣብ ናይ ኤክስ መልእኽቶም ሓቢሮም ኣለው።

ብዘይካ’ዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲን ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ምዕዛዝ ዝምድናታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባዊ ጸጥታን ርግኣትን ዘተኰረ ስሉሳዊ ርክብ አካይዶም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG