ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ሶማልያ ንናይ 3 መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣስመራ ኣትዮም


ብዕድመ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሎሚ ረቡዕ 9 ጥቅምቲ 2024 ኣስመራ ኣትዮም።

እቲ ብፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣስመራ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝኣተወሉ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተቐቢሎምዎም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ምዕባይ ክልቲኣዊ ዝምድናን ምትሕብባርን ከምኡ'ውን ካልኦት ዞባዊን ዓለምለኸ ጉዳያትን ከምዝዘራረቡ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገበመስቀል ብኤክስ ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ሓቢሮም።

ኣብ’ቲ ብቐንዱ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ዞባዊ ጉዳያትን ዘተኰረ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ሓሰንን፡ ሶማል ካብ ውድቕቲ ሃገር፡ ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ዝሓለወት፣ ከምኡ’ውን ናጽነታን ሓድነታን ዝዓቀበት ንኽትከውንን ዘላቒ ምዕባለ ንምርግጋጽን ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ተረዳዲኦም።

ሓያል ልኡላዊ ትካላት፡ መሰረት ሓያልን ምዕብልትን ሃገር ከምዝዀነ ዝጠቐሱ ክልተኦም መራሕቲ፡ ነዚ ንምስማር - ሓያል ሰራዊትን ኣካላት ጸጥታን መሰረታዊ ከምዝዀነ፣ ኤርትራ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ንምስልጣን ዝወሰደቶ ምቕሉል ስጉምቲ ድማ ነዚ ዝዓለመ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ካልእ ብድሆታት ንምእላይ ተመሳሳሊ ሓገዛት ከምዝቕጽል ተሰማሚዖም።

ፕረዚደንት ሓሰን ኣብ ግንቦት 2022 ናብ መሪሕነት ካብ ዝመጹ ንሻውዓይ ጊዜ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለው ኮይኑ ኣብቲ ናይ ሎሚ ምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ተራኺቦም ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ዞባዊ ጸጥታን ከምዝዘራረቡ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ሶማልያ ሓቢሩ።

ኤርትራ ንብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወታሃደራት ሶማል ወታሃደራዊ ታዕሊም ምሃባን ኣብዚ ሕጂ ድማ ኣብ ንኣባላት ሓይሊ ኣየርን ባሕሪን ስልጠና ትህብ ምህላዋ ይፈልጥ።

ኣመሪካ፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፡ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲን ኡጋንዳን ሰራዊት ሶማልያ ንተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ሃገር ክቕበል ዝተፈላለዩ ስልጠና ክህባ ጸኒሓን'የን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG