ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሲና ዝተፈፀመ መቅተልቲ ፖላዊስ ግብፂ


EGYPT
EGYPT
ሰራዊት ግብፂ ንፕረዚደንት ሙርሲ ካብ ዝዓልው ንዳሓር፣ዕጡቃት ምልሻታት ሲና ን24 ፖላዊስ ግብፂ ከምዝቀተሉ ተፈሊጡ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ዕጡቃት፣ኣብ ጥቃ ቃዛ ትርከብ ከተማ ራፋህ ሰራዊት ኣሳፊራ ትጓዓዝ ንዝነበረት ኣውቶብስ መጥቃዕቲ ከፊቶምላ።

እዚ ከም‘ዚ‘ሉ ከሎ፣ፕረዚደንት ግብፂ ዝነበሩ ሑስኒ ሙባረክ ክፍትሑ‘ዮም ኢሎም ጠበቀኦም።

ሚስተር ፋሪድ ክዛረብ ከሎ፣ቤት ፍርዲ ንሚስተር ሙባረክ ካብ ዝቀረበሎም ክሲ ብልሽውና ናፃ ገይሩዎም‘ሎ።ወዶም‘ውን ካብ ተመሳሳሊ ክሲ ናፃ‘ዩ ይብል።

እዚ ዜና‘ዚ ግና ካብ ሞንጎኛ ኣካል ንምርግጋፅ ኣይተኻኣለን።እንተኾነ 85 ዓመት ዝዕድሚኦም ሑስኒ ሙባረክ፣ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዝተወለዐ ህዝባዊ ናዕቢ ንዝተፈፀመ ቅትለት ኣይተቆፃፀሩዎን ተባሂሎም ዝቀረቦም ክሲ ኣብ ቦትኡ‘ዩ ዘሎ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣውሮዻዊ ሕብረት ንግብፂ ይልግሰላ ዝነበረ ሓገዝ፣ድሕሪ ሞት 9 ሚእቲ ሰባት ክቋረፅ‘ዶ ኣለዎ ኣብ ዝብል ይካታዕ‘ሎ።

ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን‘ቲ ሕብረት ሎሚ ሶኒ ኣብ ብሩሰልስ ተኣኪቦም‘ዮም ውዒሎም።

ዝቀረበ ንፁር ውሳነ ዛጊድ የለን።ሓገዝ ኣውሮዻ ምቁራፅ ዝብል ግና ርጉፅ ኣጀንዳ‘ዩ።

ሕብረት ኣውሮዻ ንግብፂ ኣስታት ሸውዓተ ቢልዮን ዶላር ክልግስ‘የ ከምዝበለ ይዝከር።
XS
SM
MD
LG