ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ግብጺ ፍልስጤማዊያን ናብ ወሽመጥ ሲና ንክግዕዙ ጸቕጢ ይግበረሎም ንዝብል ነጺጎም


ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ -ፋይል
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ -ፋይል

ፍልስጤማዊያን ካብ ቓዛ ናብ ወሽመጥ ሲና ንክግዕዙ ይግበረሎም ንዘሎ ጸቅጢ ዝነጸጉ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ እቲ ተበግሶ፣ ሃገሮም ምስ እስራኤል ዝኸተመቶ ውዕል ሰላም ከተዓናቅፎ ይኽእል እዩ ክብሉ'ውን ኣጠንቂቆም።

ኣብ ካይሮ ምስ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሽሎዝ ኮይኖም ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ኣል-ሲሲ፣ መንግስቶም፣ እቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ትፍጽሞ ዘላ ዕጽዋን ክባን ከምኡውን ምቁራጽ አገልግሎታት ማይ፣ መግቢን ነዳዲን ካብኡ ሓሊፉ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ህዝቢ ንከይሓልፍ ምኽልካልን፣ ፍልስጤማዊያን ናብ ግብጺ ንክተባርር ዘሎ ውዲት ኮይኑ ከምዝራኣይ ጠቂሶም።

ንሶም ወሲኾም በረኻ ሲና፣ ግበረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍነወሉን፣ ከምሳዕቤኑ ድማ ግብጺ ትኽሰሰሉን ኩነታት ክፈጥር እዩ ከምዝበሉ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ክንድኡ፣ እስራኤል ክሳብ ንፍልስጤማዊያን ሚልሻታት ኣጥፊኤዮም እየ ኢላ ትገልጸሉ ጊዜ፣ ነቶም ፍልስጤማዊያን ናብ ኔጌቭ ክተግዕዞምን ሓቲቶም።

መራሒ ጀርመን ብወገኖም ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ ጨካን ተግባር፣ ሃገሮም፣ ኣብ ጎኒ እስራኤል ከምዘላ ጠቂሶም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG