ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺ፡ 5ይ ዓመት ምጅማር ቃልሲ ኣንጻር ፕረዝደንት ሙባረክ ኣብዒሎም


ግብጻዊያን ሎሚ ሶኑይ 5ይ ዓመት ምጅማር ቃልሲ አንጻር'ቶም ናይ ነዊሕ እዋን ፕረዝደንት ሑስኒ ሙባረክ ኣብዒሎም።

እቲ ህዝባዊ ዓመጽ ኣብ ሙሉእ ማእከላይ ምብራቕ ዝተባራዓ ማዕበል ህዝባዊ ምንቅስቃስ ምንባሩ ይዝከር። ግብጻዊያን ነዚ ዝክሪ አብ ጽርግያታት ንኡስ ናይ ተቃውሞ ሰልፍታት ብምክያድ'ዮም አብዒሎሞ።

ናይዚ እዋን'ዚ ፕረዝደንት ዓብደልፈታሕ አል-ሲሲ ነቲ ናይ 2011 ዓ.ም.ፈ ተቃውሞ ብምንኣድ እቲ ተቃውሚ ሓዳስ ግብጺ ዘምጸአ'ዩ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ካልኦት ግን ነቲ ናይ ሽዑ ተቃውሞ ንናይ ውልቃዊ ረብሓኦም ተጠቒሞምሉ ክብሉ ነቲ ናይ ሓጺር ጊዜ ስልጣን ሒዙ ዝነበረ ግን ዝተአገደ እስላማዊ ሕውነት ከሲሶም።

ኣል-ሲሲ ነቶም ካብ ስልጣን ዝተአገዱ ፓርቲ መራሒ ዝነበሩ ፕረዝደንት መሓመድ ሞርሲ ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝተገበረ ናይ 2013 ዓ.ም.ፈ ጻዕሪ መሪሖም'ዮም።

XS
SM
MD
LG