ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ግብፂ ምስ ደገፍቲ ሙርሲ ይሰሓሓብ


EGYPT
EGYPT
ኣብ ምስሪ ፡ ደገፍቲ ፕረዚደንት መሓመድ ሞርሲ - እቲ ዘካይድዎ ዘለው ተቓውሞ መራሒኦም ናብ ስልጣን ክሳብ ዝምለስ ከምዝቕጽልዎ ኣፍሊጦም።

ዋላ’ኳ ካብቶም ምምላስ ፕረዚደንት ሞርሲ ዝጠልቡ ተቓወምቲ ክሳብ 80 ዝበጽሑ ብዝተፈጥረ ጎንጺ እንተተቐትሉ - እቲ ተሪር ተቓውሞኦም ግን ከምዝቕጽልዮም ፈኪሮም። ሓጀር ኢብራሂም ዝተባህለት ምስራዊት ነቲ ኩነታት ብኸምዚ ትገልጾ።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ - ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ኣባላት ኮሚተ ወተሃደራዊ ጉዳያት ንዝኾኑ ሰንተራት ጆን ማከይንን ሊንድሰይ ግራሃምን - ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ምስሪ ተጓዒዞም - እታ ሃገር ብቕልጡፍ ምርጫ ከተካይድ ክደፍኡ ሓቲትዎም ኣሎ። ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ቻክ ሀገል ብወገኑ - ንላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ምስሪ ዓብዱል ፈታሕ ኣል ሲሲ - ሰራዊት ምስሪ ዘይተደልየ ሓይሊ ካብ ምዝውታር ክቑጠብ ከምዘዘኻኸረ ብተወሳኺ ተገሊጹ’ሎ።

በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት እቲ ዝኸፍአ ውጽኢት ኮይኑ ዝጥቀስ - ንእስላማዊ ሕውነት ካብ ፖለቲካዊ መስርሕ እታ ሃገር ኣግሊልካ ኣብ ጎንጺ ከምዘምርሕ ምግባሩ’ዩ። ወይድማ ምስ ኣብ ጎንጺ ዝኣምኑ ወገናት ከመሓዝዎ ክኢሉ’ሎ። እዚ ነታ ሃገር ክድንዛ ዝኽእል ድማዩ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ዋላ’ኳ ድሌት ምስራውያን ነዚ ዝመስል እንተኾነ፡ ዛጊት - እታ ሃገር ሰላም ይኹን ጸጥታ ዘውሓሰት ኣይኮነትን።
XS
SM
MD
LG