ዋሽንግተን —
ሓንቲ ገያሾ ዝጸዓነት ነፋሪት ጃፓን ሎሚ ሰሉስ 2 ጥሪ 2024 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቶክዮ ምስ ሓንቲ ነፋሪት ሓለዋ ባሕሪ ተጋጭያ፡ ሓዊ ተቓጺላ ግን ኣብኣ ዝነበሩ 379 ተሳፈርቲ ኩሎም ክድሕኑ ክኢሎም ኣለዉ።
እታ ኤርባስ.ኤይ.350 ዝዓይነታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ጃፓን ኣብ መወዳእትኡ ብምልእታ ክትባራዕ ከላ፡ ኣብታ ነፋሪት ሓለዋ ባሕሪ ዝነበሩ ግን ብዘይካ`ቲ ፓይለት እቶም ኣብኣ ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ኣይተረኽቡን።
እቲ ሓደጋ ነፋሪት ሓለዋ ባሕሪ ነቶም ብናይ ትማሊ ሰኑይ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝደሓኑ ሰባት ረድኤት ንምብጻሕ ትጓየየሉ ኣብ ዝነበረት እዋን`ያ እቲ ግጭት ኣጋጢምዋ።
ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ኣብ ጃፓን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ምንቅጥቃጥ መሬት ብውሕዱ 48 ሰባት ሞይቶም፡ ኣሸሓት ህንጻታት ፈሪሱ።
ድሒሩ ዝመጽእ ሓጎጽጎጽ ብምስጋእ ሰባት ካብ ከባቢ ገዝኦም ክርሕቑ ሰበ-ስልጣን ኣጠንቂቖም`ለዉ። እቲ 7.6 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ብተደጋጋሚ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ብዘይካ`ቶም ዝሞቱ ብዙሓት`ውን ምቑሳሎምን፡ ኣብ ገዛውቲን ጀላቡን ጉድኣት ምግጣሙን ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ይገልጽ ኣሎ።
ጃፓን ኣብቲ ዓንኬል ሓዊ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ስለ እትርከብ ብምንቅጥቃጥ መሬት ብተደጋጋሚ ከም ትህረም ይፍለጥ።
ቅጥዒ