ዋሽንግተን —
ፕረዚደንታዊ ተወዳደርቲ ምርጫ ኣመሪካ ዓመተ 2024 ወፍሮም ብምሉእ ጀሚሮም ኣለው። ምኽትል ፐረዚደንት ካማላ ሃሪስ ምኽትለን ኮይኖም ንዝወዳደሩ ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ምሕራየን ክልቲኦም ተወዳደርቲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፐንስልቫኒያ ከተማ ፍላደልፊያ ጎስጓስ ምርጫ የካይድ ኣለው።
ኣብታ ቀዳሞት ኣቦታት ኣመሪካ ናጽነት ዝኣወጁላ ከተማ ፊላደልፊያ ትማሊ ሰሉስ ክልቲኦም ፖለቲካዊ ውድባት ዝለዓለ ዴሞክራሲ ዘርኣዩላ ኮይና ውዒላ።
ምኽትል ፕረዚደንትን ሕፅይቲ ዴሞክራሲያዊያን ፓርትን ካማላ ሃሪስ ንመጀመሪያ ግዜ ንኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ዝኾነ ቲም ዎልስ ኣብቲ ወፍሪ ኣፋሊጠንኦም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ