ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኮንጎ ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ልዕሊ 400 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ምብራቕ ዴሞክራሲያዊት ኮንጎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጓነፈ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ልዕሊ 400 ሰባት ምሟቶምን ልዕሊ 5,500 ድማ ዛጊት ከምዘይተረኸቡ ሰበስልጣን እቲ ኸባቢ ይገልፁ ኣለዉ። ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ'ውን ሓገዝ መግቢ ይፅበዩ ኣልው።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ዘስዓቦ መደራጋሕን ውሕጅን ኣባይቲ ኣፈራሪሱ ዘራእቲ ካብ ግራውቶም ፀራሪጉ ወሲዱ'ዩ።

ቀይሕ መስቀል ነቶም በቲ ሓደጋ ዝተመዛበሉ 8,800 ግዳያት ንምሕጋዝ ሕፅረት ቀረባት መሳርሕታትን ከምዘጓነፎም ይገልፁ ኣለዉ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ጅምላዊ መቓብራት ተዃዒቶም ነቶም መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝርከብዎም ሬሳታት ክቕበሩ ዝተገብረ ኾይኑ ካብ ገለ ሲቪል ማሕበራት ንዜጋታቱ ክብሪ ዘይሃበ ቀብሪ ዝብል ተቓውሞ ድሕሪ ምስዓቡ ጅምላዊ ቀብሪ ሬሳታት ጠጠው ከብልዎን ሳንዱቃት ሬሳ ናብቲ ከባቢ ስጋብ ዝበፅሕ ክፅበዩን ሰበስልጣን መንግስቲ ኣተሓሳሲቦም።

ኣመሓዳሪ እቲ ኸባቢ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ክሳብ ሐዚ 411 ሬሳ ዝተረኽቡ ኮይኖም 5,525 ሰባት ስጋብ ሎሚ ደሃዮም ከምዘይተረኽበ ገሊፆም።


XS
SM
MD
LG