ብጎረቤት ሃገር ሩዋንዳ ከም ዝድገፉ ዝግለጽ ደባይ ተዋጋእቲ ኤም-23 ንርእሰ-ከተማ ሰሜን ኪቩ ዝዀነት ጎማ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ንዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላውን ተኽእሎታት ዞባዊ ጎንጺን ይመርሕ ኣሎ። ገስጋስ ኲናት ዛጊት ኣይዓረፈን።
ከተማ ጎማ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብራ ዓባይ ከተማ ኰይና፡ ካብቶም ብሰንኪ ሰንሰለታዊ ጎንጺ ኣብታ ሃገር ተመዛቢሎም ዝጸንሑ ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ዜጋታት፡ ንኣማኢት ኣሽሓት ኣዕቊባ ዝጸንሐት’ያ።
ኣብቲ ብማዕድናት ኣዝዩ ሃብታም ዝዀነ ከባቢ ብውሑዱ 100 ዕጡቓት ጉጅለታት ይንቀሳቐሱ። ኤም-23 ሓደ ካብኣቶም’ዩ።
ኲናት ከተማ ጎማ፡ ካልእ ንዞባዊ ፖለቲካን ዝምድና ሃገራትን’ውን ዝጸሉ’ዩ።ብመሰረት ሓበሬታ ሚንስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኣፍሪቃ ትማሊ ሰኑይ ደባይ ተዋጋእቲ ኤም-23 ብዝካየድዎ ደብዳብ ከቢድ ብረት ሰለስተ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዀኑ ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ቀቲሎም ኣለዉ። ካልኦት ኣርባተ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ኣብቲ መጥቃዕቲ ቆሲሎም።
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ንገስጋስ ኤም-23 ኮኒኑ ኣሎ። ሩቢዮ ምስ ፕረዚደንት ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ፈሊክስ ቲሸከዲ ኣብ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ርክብ፡ ኮንጎን ሩዋንዳን ናብ ዘተ-ሰላም ዝመጽኣሉ መንገዲ ክቀላጠፍ ተላብዩ።
ኲናት ብዅሉ ወገናቱ ኣብ ዝጽዕጽዓሉ፡ ነበርቲ ጎማ ብስእነት መሰረታዊ ቀረባት ይሳቐዩ ምህላዎም ይሕበር። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሃብ-ቃል ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት (ኦቻ) ዝዀነ የንስ ላርክ ብዛዕባ’ቲ ዘሎ ቅልውላው ንጋዜጠኛታት መብርሂ ክህብ እንከሎ፤ “ሆስፒታላት ጎማ ዓቕለን ጸቢቡወን፡ ነቲ ዝመጽአን ዘሎ ዋሕዚ ውጉኣት ንምሕካም ይቃለሳ ኣለዋ። ሰኑይ፡ ምቍራጽ ቀረባት ማይን ኤለትሪክን ኣጋጢሙ ነይሩ። ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ድማ ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ኢሉ ኣሎ”ኢሉ።
ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ ሰራሕተኛታት ረዲኤትን ሆስፒታልን ካብ መጥቃዕቲ ስለ ዘይደሓኑ’ውን ኣብ ከቢድ ሓደጋ’ዮም ዘለዉ። ኣብ ጎደናታት ጎማ ሬሳታት ተዛሕዚሑ ከም ዝርአ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ከም ዝጠቐሶ፡ ሓንቲ ካብተን ማእከላት ጥዕና ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ 100 ግዳያት መቝሰልቲን ካልእ ውጽኢት ውግእን ተቐቢላ። ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ዛጊት 17 ሲቪላውያን ተቐቲሎም፡ 367 ድማ ቆሲሎም። እንተዀነ፡ መራኸቢታት ስለ ዝተበትከ እቲ ቅኑዕ ስእሊ ንምርካብ ኣጸጋሚ’ዩ ዘሎ።
እቲ ጎንጺ፡ ብዝምታን ራስያን ስለ ዝተሰነየ’ውን ተኸዚኑ ዝጸንሐ ቀረባት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከም ዝተወስደ ጸብጻብ ሮይተርስ ይሕብር።
ወታሃደራዊ ክዳን ኤም-23 ዝተኸድኑ ዕጡቓት ኣብ ጎደናታት ጎማ ክዛወሩ ተራእዮም ኣለዉ። እቶም ደባይ ተዋጋእቲን ሚሊሻ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎን ንነበርቲ ክዘምቱን ክራስዩን ምጅማሮም ካብኡ ሃዲሞም ናብ ዝወጽኡ መሰኻኽር ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ተዛሪቦም።
ንመራሕቲ ሩዋንዳን ኮንጎን ንምትዕራቕ ብኣንጎላ ዝተበገሰ ፈተነ ኣይቀንዐን። እንተዀነ ንጽባሕ ረቡዕ’ውን ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ንኽልተ መራሕቲ ሃገራት ከዘራረብ መደብ ሒዙ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ክፍሊ ጸጥታን ሰላምን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ ንሎሚ ሰሉስ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ ኣሎ።
ንዝበዝሕ ምንቅስቓስ ኤም-23 ከም እትቕልሶ እትንገር ሩዋንዳ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ወታሃደራት ምስቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከም እትዋፍር ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝወጽአ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
ቅጥዒ