ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር መረራ ጉዲና ናብ ኣሜሪካ ከካይድዎ ዝሓሰቡ መገሻ ኣብ ፓስፖርቶም ተረኺቡ ብዝተባህለ ጸገም ምትዕንቃፉ ተዛሪቦም


ዶ/ር መረራ ጊዲና
ዶ/ር መረራ ጊዲና

መራሒ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና ናብ ኣሜሪካ ከካይድዎ ዝሓሰቡ መገሻ ኣብ ፓስፖርቶም ተረኺቡ ብዝተባህለ ጸገም ምትዕንቃፉ ተዛሪቦም።

ቪዥን ኢትዮጵያ ንዝተባህለ ናይ ኢትዮጵያውያን ሲቪል ማህበረሰባትን ውድባት ፖለቲካን ኣኼባ መደረ ክገብሩ ተዓዲሞም ቅድሚ ትማሊ ናብ ኣሜሪካ ንምኻድ ኣብ ቦሌ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሖም፡ ኣቐሑቶም ተጻዒኑ ከምዝነበረ ዝገለጹ’ቶም መራሒ ፈደራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና ኣብ ናይ ደሕንነት ይሕለፍ ምስ በጽሑ ከም ኹሉ ገያሻይ ፓስፖርቶም ሂቦም እናተጸበዩ ኸለው ሰራሕተኛ ይሕለፍ ኣብ ፓስፖርትኻ ዘሎ ቑፅሪ መሳርሒና ከንብቦ ኣይአለን ስለዚ ክትኸይድ ኣይትኽል ኢሉኒ ክብሉ ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG