ዓበይቲ ፍጻሜታት ጽንብል ቃለ መሓላ ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ምኽትታል ይክኣል። https://t.co/jZzaRMMfvM #Eritrea #Ethiopia #VOATigrigna #Trump #VOAInaug
— VOA Tigrigna (@VOATigrigna) 20.1.2017
- By ዊንታ ኪዳነ
ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ናይ መወዳእታ ብናይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ናይ ቲወተር መልእኽታቶም ይሰዱ።
ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ መልእኽቶም " ደው ኣይክብልን የ። ብስለቲ ዘተባብዕ ድምጺ ሓቅኹም: ፍትሒ: ዋዛን ፍቕርን ከም ዜጋ ምሳኹም ኣለኹ" ኢሎም።
- By ዊንታ ኪዳነ
ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ንምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምቕባሎም ናብ ጽንብል ቃለ መሓላ ዝካየደሉ ቦታ ኣምሪሖም።
ቀዳመይቲ እመቤት ሚሸል ኦባማ ምስ በዓልቲ ቤት ምሩጽ ፕረዝደንት ትራምፕ መላንያ ትራምፕ'ውን ብተመሳሳሊ ናብቲ ቦታ ኣምሪሐን ኣለዋ።