ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጽምብል ቃለ-መሓላ ምሩጽ ፕረ. ዶናልድ ትራምፕ

ዶናልድ ትራምፕ: ነጋዳይ: ፖለቲከኛ: ኣዳላዊ ትሕዝቶ ተለቪዥን ሕጂ ድማ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ እዮም። መበል 45 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኖም ድማ ስልጣን ካብ እዋናዊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ዝመጽእ ዓርቢ 20 ጥሪ 2017 ክርከቡ እዮም። እዚ ዓምዲ'ዚ ንስነ-ስርዓት ጽምብል ቃለ-መሓላ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣቶኪሩ -ንዝካየዱ ዓበይቲ ዓበይቲ ፍጻመታት ብጽሑፍ: ስእልን: ቪድዮን ኣሰንዩ ዘስፍርዩ።

ቀዳመይቲ እመቤት ሚሸል ኦባማን ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ቀዳመይቲ እመቤት ኣሜሪካ ዝኾነ መላንያ ትራምፕ ኣብ ጽንብል ቃለ መሓለ ፕረዝደንት ዝኻየደሉ ካፒቶል ሂል በጺሐን።

ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቲወተር መልእኽቲ

"ኩሉ ሎሚ ክጅምርዩ። ሰዓት 11 (ብናይ ዲሲ ኣቆጻጽራ ምዃኑዩ) ኣብ ስነ-ስርዓት ቃለ መሓላ የራኽበና። ምንቅስቓስና ቀጻሊ'ዩ። እቲ ሰራሕ ድማ ክጅምር'ዩ።" ኢሎም።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG