ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጽምብል ቃለ-መሓላ ምሩጽ ፕረ. ዶናልድ ትራምፕ

ዶናልድ ትራምፕ: ነጋዳይ: ፖለቲከኛ: ኣዳላዊ ትሕዝቶ ተለቪዥን ሕጂ ድማ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ እዮም። መበል 45 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኖም ድማ ስልጣን ካብ እዋናዊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ዝመጽእ ዓርቢ 20 ጥሪ 2017 ክርከቡ እዮም። እዚ ዓምዲ'ዚ ንስነ-ስርዓት ጽምብል ቃለ-መሓላ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣቶኪሩ -ንዝካየዱ ዓበይቲ ዓበይቲ ፍጻመታት ብጽሑፍ: ስእልን: ቪድዮን ኣሰንዩ ዘስፍርዩ።

ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ንምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምቕባሎም ናብ ጽንብል ቃለ መሓላ ዝካየደሉ ቦታ ኣምሪሖም።

ቀዳመይቲ እመቤት ሚሸል ኦባማ ምስ በዓልቲ ቤት ምሩጽ ፕረዝደንት ትራምፕ መላንያ ትራምፕ'ውን ብተመሳሳሊ ናብቲ ቦታ ኣምሪሐን ኣለዋ።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ናይ መወዳእታ ብናይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ናይ ቲወተር መልእኽታቶም ይሰዱ።

ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ መልእኽቶም " ደው ኣይክብልን የ። ብስለቲ ዘተባብዕ ድምጺ ሓቅኹም: ፍትሒ: ዋዛን ፍቕርን ከም ዜጋ ምሳኹም ኣለኹ" ኢሎም።

ባራክ ኦባማ tweet
ባራክ ኦባማ tweet

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG