ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብውሕጅ ኣብ ዝተጠቕዓ ከባቢ ሶማል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ይረኣ


ብውሕጅ ኣብ ዝተጠቕዓ ከባቢ ሶማል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ይረኣ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:19 0:00

ብውሕጅ ኣብ ዝተጠቕዓ ከባቢ ሶማል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ይረኣ

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማል ዝነብር ህዝቢ ብሓደጋታት ውሕጅ ጥሪቱን ንብረቱን ድሕሪ ምስኣኑ ሕጂ ድማ ኣብ ሓደጋ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ወዲቑ ከም ዘሎ ትካላት ረድኤት የሰምዑ`ለዉ።

ሹክሪ ኣብዲ ዖስማን ጓል 34 ዓመት ኣደ ሰለስተ ቆልዑ`ያ። ኣብ ዶሎው ዝበሃል መዓስከር ምስ ደቃ ተዓቑባ ትርከብ። ንሳ ካብ መንጎ`ቶም ብሓደጋ ውሕጅ ካብ መንበሪኦም ሃዲሞም ዘለዉ ኣስታት 700 ስድራቤታት ሓንቲ`ያ።

"ከምዚ ዓይነት ደምሳሲ ውሕጅ ርእየ ኣይፈልጥን" ትብል ሹክሪ፡ እቲ ውሕጅ ቅልጡፍ ስለዝነበረ ንብረትና ክንእክብ`ውን ኣይክኣልናን ካብ ገዛና ብለይቲ ስለዝወጻና ክንሕዞ ዝኸኣልና ደቅና ጥራሕ`ዮም ትብል።

ኣብቲ ምስ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቐርብ ፈለግ ጁባ ዝርከብ ጋርቦሎው ዝብሃል ቦታ ፍሩታን ኣሕምልትን እናፍረየት ንስድራቤታ ትዕንግል ከምዝነበረት'ውን ትሕብር።

ሕጂ ድማ ካልእ ጸገም ተደሚሩ`ሎ፡ ብሰንኪ`ቲ ውሕጅ ዝሰዓበ ሕማም ዓይኒ ምድሪታት ዓንዩ። ሻምብቆታት ማይ ምስ ረሳሕ ማይ ተጸንቢሩ፡ መዕቆሪ ርስሓት`ውን ክልሑኽ ጀሚሩ።

"ኣብዚ መዓስከር ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ሕማቕ`ዩ፡ ጓለይ ሓሚማ`ላ፡ ምናልባት ዓሶ ወይ ታይፎይድ ሒዝዋ ክኸውን ይኽእል`ዩ" ትብል እታ ካብ ሓደጋ ውሕጅ ሃዲማ ኣብ ካምፕ ተዓቑባ ዘላ ሶማልያዊት ኣደ።

መንግስቲ ሶማል ህጹጽ እዋን ኣዊጁ`ሎ። ሕቡራት ሃገራት`ውን ከምዚ ዓይነት ደምሳሲ ውሕጅ ኣብዚ ክፍለ-ዘመን ተራእዩ ከም ዘይፈልጥ ብምግላጽ ኣብታ ሃገር ኣስታት 100 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑን ኣስታት 700,000 ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉን ሓቢሩ`ሎ።

ካብ ኩነታት ኣየር ኤ-፡ኒኖ ዝተበገሰ ከቢድ ዝናብ`ዩ ነቲ ብደርቂ ድሮ ተዳኺሙ ዝጸንሓ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ካልእ ስግኣት ሸሚምዎ። ኣብ ሶማል ኣብ ውሽጢ 40- ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ደርቂ ንሚልዮናት ናብ ገምገም ዓጸቦ ኣጽዲፍዎም`ዩ።

ቅድሚ ሎሚ ኣብ ታሪኽ ሶማል፡ ፈለግ ጁባ ኣዕለቕሊቑ ብውሕዱ 1,800 ሰባት ዝሃለቕሉ እዋን ኣብ 1998 እዩ።

እዚ ናይ ሕጂ ድማ ንኣባይቲ፡ ንኣብያተ ትምህርቲ ንሕርሻታት፡ ጽርግያታትን ድልድላትን ኣዕንዩ ንብዙሓት ብዘይ መዕቆቢ መግብን ጽሩይ ማይን ኣትሪፉ`ሎ።

ምስ ናይ ኣመሪካ ትካል ረድኤት መርሲ ኮርፕስ ዝሰርሕ መሓመድ ዳሂር ንኤይ.ኤፍ.ፒ ክገልጽ ከሎ፡ ሕጂ ንሰብኣዊ ትካላት ኣሻቕልዎም ዘሎ ብዛዕባ`ቶም ንሕማም ተቓሊዖም ዘለዉ እዩ ይብል።

"ብሰንኪ ጣንጡ ንለበዳ ሕማም ዓሶ ዘሎ ተቐላዕነት ልዑል`ዩ" ዝበለ መሓመድ ዳሂር፡ ብሰንኪ ብከላ ማይ ሕማም ውጽኣት`ውን ዘስግእ ምዃኑ ጠቒሱ`ሎ።

ሰብኣዊ ትካል ሕቡራት ሃገራት(ኦቻ) ኣብ 33 ወረዳታት ምልክታት ሕማም ውጽኣት ከም ዝተዓዘበ ብምግላጽ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ኣብያተ ትምህርቲ ከቢድ ጉድኣት ከየስዕብ ስግኣት ኣለና ይብል።

ሶማል ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ዓንኬል ደርቅን ውሕጅን እያ ጸኒሓ።

ኮሚሽነር ወረዳ ጋርብሎ ሙርሳል መሓመድ ኣዳን፡ ሰበ-ስልጣን ካብ ትካላት ረድኤት ሓገዝ ይጽበዩ ከም ዘለዉ ይገልጽ።

"ዝቕጽል እንታይ ከም ዝኸውን ኣምላኽ ጥራይ`ዩ ዝፈልጥ" ዝበለ መሓመድ ኣዳን፡ ሕጂ `ውን እቲ ዝናብ እንተቐጺሉ፡ ተወሳኺ ውሕጅ ኣስዒቡ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ከጋድዶ ከም ዝኽእል የሻቕለና `ሎ ይብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG