ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ -- ኣመሪካ ንጓል-ኣንስተይቲ መራሒት ሃገር ድልውቲ ድያ?


ዘተ -- ኣመሪካ ንጓል-ኣንስተይቲ መራሒት ሃገር ድልውቲ ድያ?(1ይ ክፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:16:21 0:00

ዘተ -- ኣመሪካ ንጓል-ኣንስተይቲ መራሒት ሃገር ድልውቲ ድያ?(1ይ ክፋል)

ሕዳር ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ምርጫ ኣመሪካ፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ብዙሕ ለውጢ ሰብ ዘይተጸበዮ ዜናታትን’ዩ ዘስዕብ ዘሎ። ሕብረትሰብ ኣመሪካ ኣብ መሰል ደቀንስትዮ ዝለዓለ ተገዳስነትን ከም ዘለዎ ኣብ በበይኑ መድረኻት ክርኢ ጸኒሑ’ዩ። እዚ እናዀነ ግን ዛጊት ደቀንስትዮ መራሕቲ ሃገር ናብ ዝለዓለ ስልጣን እዚ መሪሕነት ኣይመጽኣን። “ኣመሪካ ንጓል ኣንስተይቲ መራሒት ክትመርጽ ድልውቲ ዲያ?” ዝብል’ዩ እምበኣር መዛተዪ ዛዕባና። ኣብዚ ጉዳይ ሓሳባተን ንኸካፍላና ንኽልተ ምሁራት ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ዶክተር ሳባ ተስፋዮሃንስ ነባሪት ክፍለ-ሃገር ካሊፎርኒያን ወ/ት ማእዛ ግደይ ድማ ነባሪት ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲን ዓዲምና ኣሎና።

ካልኣይ ክፋል ዘተ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG