ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትንታነ፤ ሰራዊት ሶማል ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም ዲዮም?


ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ናይ ኤርትራ ምብጻሕ
ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ናይ ኤርትራ ምብጻሕ

ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ኣብ ኤርትራ ክፍጽሙ ዝቐነዩ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ትማሊ ኣራፊዶም ንሃገሮም ቅድሚ ምምላሶም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘ መዘከር ስምምዕ ፈሪሞም። እቲ መዘከር ንጸጥታዊን ወተሃደራዊን መዳያት ክልቲኣን ሃገራት’ውን ዘጠቓልል’ዩ።

ምስ ዑደት ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ተኣሳሲሩ ዝተላዕለን ሓደ ካብቲ ነዊሕ ከዛርብ ዝጸንሐ ድማ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዝስልጥኑ ዝነበሩ ሶማላውያን ወተሃደራትን ኣብ ኲናት ትግራይ ብዛዕባ ምስታፎምን ዘይምታፎምን ዝምልከት ትንታነታት’ዩ።

ኤርትራ ኣሽሓት ሶማላውያን መባእታዊን ፍሉይን ወታሃደራዊ ታዕሊም ክትህብ ጸኒሓ’ያ። ሰልጠንቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ኣብ ኤርትራ ገይሮም ኣለዉ። ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ስልጠና ዝወስዱ ዝነበሩ ወተሃራት ሶማል 5,167 ምዃኑ’ዩ። እዚ ኣሃዝ’ኢ ዳሕራይ ብፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጆ’ውን ተረጋጊጹ’ዩ።

ትንታነ፤ ሰራዊት ሶማል ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም ዲዮም?
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:34 0:00

እቶም ቀዳሞት ዙርያ ሰልጠንቲ 19 ነሓሰ 2019 ናብ ኤርትራ ክለኣኹ እንከለዉ፡ እቶም ካልኣይን ሳልሳይን ዙርያ ድማ ኣብ ወርሓት ለካቲትን ሰነን 2020 ዝሰዓቡ’ዮም።

እቶም ወታሃደራት ንኤርትራ ክለኣኹ እንከለዉ ብምስጢር’ዩ ተገይሩ። ድሕሪኡ ድማ ካብ ወለዲ፡ ፖለቲከኛታትን ካልኦት ወገናትን ከቢድ ነቕፌታ ኣስዒቡ። ንዕኡ ተኸቲሉ ድማ ሰራዊት ሶማል ብዛዕባ ኣብ ኲናት ትግራይ ምስታፎም ዘይተረጋገጸ ወረታት ክናፈስ ጀሚሩ። እዚ ክሲ ግን ብናይ ቅድም ፕረዚደንት ፋርማጆ ብትሪ ተነጺጉ’ዩ። ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቋንቋ ሶማል’ውን ብዛዕባ ተሳትፎ ወተሃደራት ሶማል ኣብ ኲናት ትግራይ ዝረኸቦ ጭብጢ የሎን።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ኣብ ዑደቶም ንሰልጠንቲ ወታሃደራት በጺሖምን ዕዮኦም ምዝዛሞም መጒሶምን። ብመሰረት ካብ ቤተ-መንግስቲ ዝወጸ መግለጺ ድማ ፕረዚደንት ሓሰን ነቶም ወታሃደራት ንሃገሮም ክምለሶም ምዃኑን ኣንጻር ኣል-ሸባብ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ድማ ተራ ክህሉዎም ዘለዎም ትጽቢት ጠቒሶም።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ሓሰን መሓሙድ ህዝቢ ሶማል ገጽ ዝፈትዎም ደቁ ክርኢ ከምኡ’ውን ጸላእቲ ክርዕዱ ምዃኖም ነቶም ወታሃደራት ጠቒሱሎም።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብፕረዚደንት ሓሰን ዝምራሕ ሓድሽ ምምሕዳር ሶማል፡ ገለ ካብቶም ወታሃደራት ኣብ እዋን ልምምድ ከም ዝሞቱ ኣመልኪቱ ነይሩ። ባህርያዊ ሞት ምንባሩ ድማ እቲ ናይ ሽዑ ጸብጻብ ይጠቅስ። ብዝሒ ምዉታት ዝገልጽ ኣሃዝ ግን ኣይተዋህበን። ኣቐዲሞም ዝሃደሙን ኣብቲ ተዓሊም ዝነበሩን ወታሃደራት በበይኑ ቍጽርታት’ዮም ሂቦም። ሓደ ኣርባዕተ ክብል እንከሎ፡ ካልእ ድማ ሸውዓተ ምሟቶም ይሕብሩ።

ኣምባሳድር ሶማል ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ዓሊ ሰይድ ፋቂ፡ ሓደ ካብቶም ነቶም ሰልጠንቲ ብኣካል ዝበጽሑ ሰብ-መዚ’ዩ። ኣብ 2019 ድሕሪ ምዕዛቡ ድማ እቶም ተዓለምቲ ተሪር ተዓሊም ይወስዱ ምህላዎም ኣመልኪቱ ነይሩ። ኣብ እዋኑ እቲ መደብ፡ ሰልጢኖምን ብመገዲ ኤርትራ ዓጢቖምን ናብ ሃገሮም ንምምላስ’ዩ ነይሩ። ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝገብር ኲናት ኣበርክቶ ክህሉዎምን ካልእ ጸጥታዊ ስራሕ ወሳኒ ተራ ክጻወቱን ድማ ትጽቢት ተገይሩሎም ነይሩ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝቐንዐ መደብ ሓንጺጹ ነይሩ። እቲ ሓድሽ መደብ ድማ ወተሃደራዊ፡ ኣይዶሎጂያዊን ቍጠባዊን ወገናት ዘጠቓልል’ዩ። መራሒ ኣልሸባብ ግን 'ሕጊ ሸሪዓ' ዘይክተል መንግስቲ ክቃለሱዎ ምዃኖም መሊሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG