ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ሶማል ኣብ ኤርትራ ዘካየድዎ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ዛዚሞም ተመሊሶም


ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ኤርትራ
ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ኤርትራ

ብመሰረት ዕድመ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኤርትራ ንኣርባዕተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፈጸሙ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ፕረዚደንት ሓሰን ኣብ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ ስራሕ ጻንሖቶም፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ተሰንዮም ኣብ በበይኑ ቦታታት በጺሖምን ብሕልፊ ድማ ምስ ኣብ ወታሃደራዊ ታዕሊም ዝምልከት ቦታታት ተዓዚቦምን። ኣብ ስነ-ስርዓት ምርቓ ተዓለመቲ ሶማላውያን ዝተረኽቡ ፕረዚደንት ሓሰን፡ ቀጺሎም’ውን ኣብ መሰልጥኒ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምልፋን ናይ ባሕሪን መካናይዝድን ስልጠናታት ክወስዱ ንዝጸንሑ ሶማላውያን ወተሃደራት’ውን በጺሖም። ከም ጸብጻብ መንግስታዊ ምንጭታት እቶም ወታሃደራት ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት’ዮም ኣብ ኤርትራ ክስልጥኑ ዝጸንሑ'ዮም።

ፕረዚደንት ሓሰን ሎሚ ንግሆ ቅድሚ ናብ ሃገሮም ምምላሶም፡ ክልተኦም መራሕቲ፡ ንወታሃደራዊ፡ ጸጥታዊ፡ ንግዳዊን ካልእ ዞባዊ ምትሕግጋዝን ዝምልከት ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘ መዘከር ፈሪሞም።

ብመስረት እዚ ከኣ:-

1.ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት እንተላይ ማሕበረኮማት ዲያስፖራ ምዕዛዝ

2.ሃገራዊ ረብሓታት ክልቲኤን ሃገራት ንምዕቃብን ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያውን ምትሕብባር ንምሕያልን

3.ኣብ ንግዲ፡ወፍሪ፡ውሕስነት ማይ፡ሕርሻ፡ሃብቲ ዓሳ፡ጥዕናን ትምህርትን ፍሉይ ኣተኩሮ ብምግባር ቁጠባዊን ማሕበራዊን ምትሕብባር ንምስፋሕ

4.ኣብ ባህላዊ፡ስነ ጥበባውን ስፖርትን ንጥፈታት ከምኡ’ውን ኣብ ስነ-ፍልጠታዊን ቴክኖሎጅያዊን መዳያት ርክባት ምትሕግጋዝን ምድልዳል

5.ኣብ ምግታእ ተፈጥሮኣዊ ሃስያን ለበዳን ብምትኳር ኣብ ምዕቃብን ምስሳንን ኣካባቢ ምትሕብባር ምዕዛዝ

6. ሰላም፡ርግኣትን ጸጥታን ንምውሓስ ኣብ ምክልኻልን ጸጥታን ምትሕብባር

7.ምዉቕ ዝምድና ብምፍጣር፡ንቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ውህደትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓባር ምጽዓት፡ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ብሓባር ክሰርሑ ‘ዮም እቶም መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ነቲ ስምምዕ ፈሪሞም።

ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ፕረ.ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ "ኣብ ኤርትራ ዘካየድክዎ ምብጻሕን ምስ ክቡር ሓዉ ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘካየድክዎ ርክብን፡ንዝጸንሐ ታሪኻዊን ሕውነታዊን ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዘደንፍዕ ታሪኻዊ ፍጻመ’ዩ” ክብሉ ገሊጾምዎ።

XS
SM
MD
LG