ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፡ ኣብ ጉዳይ ዞባ ዳርፉር ንሰለስተ መዓልታት ዝካየድ ህዝበ-ውሳኔ ሎሚ ተጀሚሩ


ፕረዝደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል-በሽር ኣብ ጎስጓስ ምብራቕ ዳርፉር - ሚያዝያ 5,2016
ፕረዝደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል-በሽር ኣብ ጎስጓስ ምብራቕ ዳርፉር - ሚያዝያ 5,2016

ተአማኒ ከይኸውን ይኽእል’ዩ ነቲ ዘሎ መስርሕ ሰላም’ውን ከተዓናቅፍ ይኽእል’ዩ ዝብል ስክፍታት ካብ ኣሜሪካ ኣብ ዝስመዓሉ ዘሎ እዋን ህዝቢ ዞባ ዳርፉር ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ህዝበ ውሳኔ(ረፈረንደም) ሎሚ ሶኑይ ተጀሚሩ’ሎ።

እቲ ህዝበ-ውሳኔ ዞባ ዳርፉር ዝሓዞ 5 ክፍላተ ግዝኣታት ሒዙ ይቀጽል ወይ ከአ ከም ሓደ ብምዃን ብኸፊል ርእሰ ምምሕዳር ይመሓደር ዝብል ውሳኔ ዝህብ’ዩ።

ኣብ ዳርፉር ብሰንኺ’ቲ ዘሎ ህውከት 3 ሚሊዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ከምዘሎ ይእመን።

XS
SM
MD
LG