ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስብርባርን ፍሳስ ነዳዲ ዘይቲን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ገማግም ግብጺ ምርኻቡ ተሓቢሩ


ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተራእየ ፍሳስ ነዳዲ ዘይቲ ነታ ኣሰራ ዘይተረኽበ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ግብጺ ንምርኻብ ክሕግዝ ይክእል’ዩ ክብሉ ሰበ-ስልጣን ኣውሮጳ ገሊጾም።

እቲ ዝተራእየ ፍሳስ ነዳዲ ዘይቲ ካብቲታ ነፋሪት ኣብ መወዳእታ ዝተራእየትሉ ክሊ ኣየር ኣስታት 40 .ሜትር ብሸነክ ደቡብ ምብራቕ ዝተራእየ ምኳኑውን ተፈሊጡሎ።

ቀንዲ ኣዛዚ ሰራዊት ግብጺ ብርጋዴር ጀነራል መሓመድ ሳሚር ኣብ ናይ ፌስ-ቡክ መልእኽቶም ናይ መንገደኛታት ንብረትን ስብርባርታ ነፋሪት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምርኣዩን ገሊጾምለው።

ሰበ-ስልጣን ግሪክ ኸአ ሓደ ሓደ ክፍሊ ኣካላት ሰብን ናይታ ነፋሪትን መናብርን ባልጃታትን ከምዝተረኽቡ ሓቢሮምለው።

66 ተጉዓዝቲ ዝነበርዋ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ግብጺ ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ካብ ትወድቕ ንደሓር ብህይወት ዝተረፈ ተጉዓዛይ ዛጊት የለን። ሬሳታት ናይ ምድላይ ስርሒት ይቕጽል ከምዘሎን እታ ነፋሪት ምኽንያት መውደቒኣ ክሳብ ሕጂ ብርግጽ ኣይተፈለጠን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ስብርባርን ፍሳስ ነዳዲ ዘይቲን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ገማግም ግብጺ ምርኻቡ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:52 0:00

XS
SM
MD
LG