ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዴንማርክ ሓድሽ ሕጊ ስደተኛታት ኣሕሊፋ


ፋይል- ሚኒስትር ጉዳይ ስደተኛታትን ምውህሃድን ደኒማርክ ኢንገር ስቶጅበርግ
ፋይል- ሚኒስትር ጉዳይ ስደተኛታትን ምውህሃድን ደኒማርክ ኢንገር ስቶጅበርግ

ፓርላማ ዴንማርክ፣ ስደተኛታት ፖለቲካዊ ጽግዕተኛነት ንምርካብ ዘለዎም ዕድል ዘጽብብ ሓድሽ ሕጊ ሎሚ ሶሉስ ኣሕሊፉ።

እቲ ንምርኻብ ኣባላት ስድራ ቤት ን3 ዓመታት ክደናጎይ ዘግድድን ንብረት ስደተኛታት ምህጋር ዘፍቕድ ሓድሽ ሕጊ፣ ብዳርጋ ሙሉእ ድምጺ ረኺቡ'ዩ ጸዲቑ።

እንተኾነ ግን ላዕለዋይ ጉዳይ ስደተኛታት ሕ/ሃን ካልኦት ዓለም-ለኻዊ ትካላትን፣ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ዴንማርክ ኣውጊዞምዎ’ለው።

ወሃቢ-ቃል ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣድሪያን ኢድወርድስ ‘እቲ ዴንማርክ ዘሕለፈቶ ሕጊ፣ ብደረጃ ኣውሮጳ ሓድነትን ስምረትን ኣብ ዘድልየሉ እዋን’ዩ’ ኢሉ።

ሸውዓተ ኣዋርሕ ዝዕድሚኡ መንግስቲ ዴንማርክ ነዚ ዳሕረዋይ ሕጊ ዘሕለፈ፣ ካብ ማእከላይ ምብራቅ፣ ኣፍሪቃን እስያን ካብ ኹናትን ድኽነትን ንዝሃድሙ ስደተኛታት ናብ ግዝኣታ ከይኣትው ንምትዕንቃፍ’ዩ።

ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ዴንማርክ፣ ስደተኛታት ዝውንንዎ ልዕሊ 1,450 ዶላር ዝዋግኡ ንብረት ክህገር’ዩ። እዚ ሕጊ ንውልቃዊ ንብረት ከም ናይ ቃል-ኪዳን ቀለበት ግና ኣየጠቃልልን።

ዴንማርክ ዝሓለፈ ዓመት 20 ሽሕ ስደተኛታት ምቅባላ ይዝከር።

ዴንማርክ ጥራሕ ኣይኮነትን ንንብረት ስደተኛታት ክትወርስ ወሲና ዘላ፡ ስዊዘርላድም ብወገና ስደተኛታት ንዝውንንዎ ልዕሊ 985 ዶላር ዝዋግኡ ንብረት፣ ጀርመን ድማ ልዕሊ 380 ዶላር ንዝዋግኡ ንብረት ክንህግር ኢና ኢለን ኣለዋ። ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢለን’የን።

XS
SM
MD
LG